ሓጺር ሌላ

ካንቶን በርን ሐደ ካብቶም 26 ካንቶናት (ኣባል ካንቶናት) ስዊዘርላንድ'ዩ። ብብዝሒ ነበርቱ ከኣ ካልኣይ ደረጃ ይሕዝ። ንክፋላት ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመንን ፈረንሳን ስዊዘርላንድ ከም መራኸቢ ድልድል ምዃን ከኣ ፍሉይ መለለዪኡ'ዩ ።

ጭብጥን ክውንነትን

ካንቶን በርን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ኣለዉዎ። 16 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ወጻእተኛታት'ዮም። እዚ ዳርጋ ሽድሽተ ሽሕ ትርቢዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ካንቶን፡ 346 ምምሕዳር ከተማታትን (Gemeinden | Communes) 10 ምምሕዳር ከባቢታትን ኣለውዎ። ርእሰ ከተማኡ ድማ በርን'ያ። ወግዓውያን ቋንቋታት ጀርመንን ፈረንሳን'የን። ክልተ ቋንቋ ዝዝረቦ ምዃኑ ብፍሉይ ከም ዝጥመት ይገብሮ።

ታሪኽ

ካንቶን በርን ልዕሊ 800 ዓመት ዝኸይድ ታሪኽ ኣለዎ። ከተማ በርን ብ1191 ተመስሪታ። ድሕሪኡ ቀጻሊ ዕቤት ኣርእያ። ገዲም በርን ብ1798 ብጎበጣ ሰውራ ፈረንሳ ዓንያ። ብ1831 ዲሞክራሲ ክዕምብብ ጀሚሩ። ንፈለማ እዋን ቅርጺ ዝሓዘ ሕጊ ብሓድሽ ቅዋም ቆይሙ። ብ1848 ከተማ በርን ርእሲ ከተማ ክትከውን ተወሲኑ። ብ1979 ካንቶን ዩራ ብሰለስተ ካብ ካንቶን በርን ዝተፈልዩ ምምሕዳራት ተመስሪቱ።

ባህልን ልምድን

ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳር ከተማታትን ከባቢታትን ካንቶን በርን፡ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ኣሎ። ካንቶን በርን ዝልለየሉ ፍሉይ ባህልን ልምድን የለን። ኣብ ኢመንታል ዝበዓል ካብቲ ኣብ ሲላንድ ዝበዓል ይፍለ። ከምኡ'ውን እቲ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ካንቶን በርን ዝኽበር ባህልን ልምድን፡ ካብቲ ኣብ ከበሳታትን ዩራን ዝኽበር ይፍለ። ነፍስ ወከፍ ከባቢ ናቱ ፍሉይ ወግዒ ኣለዎ። ካንቶን በርን ንባህልን ልምድን ዝሕብር ዝርዝር ሓበሬታ ኣለዎ። ኣብ መርበብ ሓብሬታ ተዳህሲሱ ክርከብ ይከእል።