ናይ ዕረፍቲ ግዜ/ነጻ ግዜ

ኣብ ካንቶን በርን፡ ነጻ ግዜኹም ተሕልፉሎም ብርክት ዝበሉ መሰጥቲ ናይ መዘናግዒ ቦታታትን ዕድላትን ኣለዉ። ኣብ'ዚ ክለባት/ማሕበራት ፍሉይ ግደ ኣለወን። ንሰን ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ንኽትላለዩ ይሕግዛ።

ማሕበራት/ክለባት

ኣዚዮም ብዙሓት ነበርቲ ካንቶን በርን፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ወይ ክለባት'ዮም። ዝተፈላለየ ዕላማ ዘለወን ማሕበራት/ክለባት ኣለዋ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ከይተረፈ፡ ናይ ስፖርት፡ ናይ ባህልን ካልእን ማሕበራት/ክለባት ኣለዋ። እዚኣተን ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ ጽቡቕ ዕድል ይፈጥራ። መብዛሕተአን ማሕበራት/ክለባት ንኩሎም ሰባት ክፉታት እየን። ነዘን ማሕበራት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።.

ኣቅርቦት ዕድላት ንቆልዑን መንእሰያትን

ኣብ ካንቶን በርን፡ መንእሰያት ነጻ ግዜኦም ዘሕልፉሉን ምስ መዛኑኦም ዝላለዩሉን ብዙሓት ፍሉያት ዕድላት ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት መራኸቢ ማእከላትን ነጻ ግዜ ተሕልፉሎም ቀረባትን ኣለዉ። ኣብዚ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፈጠራውነቶምን ንከርእዩ፡ ፕሮጀክትታት ክውጥኑን ከተግብሩን (Jugendarbeit | animation de jeunesse) ይተባብዑ። ከም ልሙድ እዞም ዕድላት በነጻ ብዘይ ክፍሊት'ዮም። ማሕበራት መንእሰያት፡ መንእሰያት ምስ መዛኑኦም ንጥፈታት ንምክያድን፡ ኣብ ተፈጥሮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ይሕግዛ። ነዞም ዕድላት ዝቅርቡን ዘካይዱን ማሕበራት፡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳራትን ቤተ ክርስትያናትን'ዮም። እዞም ዕድላት ንኩሎም መንእሰያት ክፉታት እዮም። ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብሩሉ ምምሕዳር ከባቢ ዝያዳ መብርሂ ክርከብ ይከኣል።

ዑደትን ባህልን

ኣብ ካንቶን በርን ብብዙሓት ዕድላት ዑደትን ምዕቡል ባህልን ኣሎ። ብነኣሽቱ ከተማታት፡ ብኣባይቲ ምርባሕ እንስሳታትን ዓበይቲ ታሪኻውያን ቀጽርታትን ዝወቀበ ቅርጺ መሬት ኣለዎ። ብተወሳኺ ብዙሓት ንጉዕዞ እግርን ምዝዋር ብሽክሌታን ዝኾኑ መስመራት ኣለዉዎ። ብዙሓት ቤተ መዘክራት፡ ብዝተፈላለዩ ቴማ ኤግዝቢሽን የቅርባ። ንኣብነት ማእከል ፓወል ክሊን ቤተ መዘክር ኣርት በርንን ኣብ ስዊዘርላንድ ስሙያት'ዮም። ማሕበር ቱሪዝም በርን "Made in Bern" ንዕድላት ዑደትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስትታን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብ። ንባህላዊ ምርኢታትን ኣጋጣሚታትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣታታት ወሽቲ ካንቶን'ውን ክርከብ ይከኣል።

ወለንታዊ ስራሕ

ወለንታዊ ስራሕ፡ ንደቂ ሰብን ንኣከባብን እተበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ኮይኑ ደሞዝ ዘይክፈሎ'ዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት፡ ብልምዲ ብወለንታዊ ስራሕ ይሽፈኑ። ዝዓበየ ክፋል'ዚ ዕዮታት ብማሕበራት ይዕመሙ። በዚ መሰረት ሰባት ኣብ ማሕበራት/ክለባት ባህሊ፡ ስፖርት፡ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ስልጠናታት/ትምህርቲ፡ ምዕቓብ እንስሳታትን ኣከባብን፡ ጥዕናን ካልእ ዓውድታትን ክሳተፉ ይኽእሉ። ንወለንታዊ ስርሓትን ዕዮታትን ዝምልከት ሓበሬታ ንኣብነት ካብ ማእከል ሓበሬታ ወለንታዊ ንጥፈታት በነቮል (Benevol)፡ ካሪታስ በርን ከምኡ'ውን ካብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ (SRK | CRS) ጨንፈር በርን ክርከብ ይከኣል። ኣብ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን ዘተኮረ ወለንታዊ ንጥፈታት ካብ መሻርኽቲ ቤት ጽሕፈታት ካንቶን በርን ይርከብ። ኣድራሻታት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ኣብ ዘሎ መርበብ ሓብሬታ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ መወከሲ ኣድራሻታት ንስደተኛታት ቤተ ክርስትያናት (KKF | OCA) ክርከ ብይከኣል።

ስፖርት / ባህሊ / ትምህርቲ (ስልጠና)

ኣብ ካንቶን በርን ብዙሓት ስፖርታዊ፡ ባህላውን ትምህርታውን ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብሩሉ ኣከባቢ ወይ ትካል ቱሪዝም ክትረኽቡ ትኽእሉ። ምስ ካብ ካሪታስ ብዝውሰድ ካርድ ኩልቹር ሌጊ (Kulturlegi-Ausweis | CarteCulture)፡ ብውሑድ ገንዘብን ዝነከየ ዋጋን፡ ኣብ ንጥፈታት ስፖርትን ባህልን ዕድላት ስልጠናን ክትሳተፉ ትኽእሉ። እዚ ካርድ'ዚ ካብ ቤት ሕፈት ካሪታስ ክጥለብ ይከኣል። ካሪታስ ብዛዕባዚ ሓብሬታ ይህብን መን እዚ ካርድ ክወሃቦ መሰል/ግቡእ ከምዘለዎ የረጋግጽን።