ፖለቲካዊ ስርዓት

ፖለቲካዊ ስልጣን ስዊዘርላንድ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል። መንግስቲ፡ ካንቶን(ኣባል ካንቶናት)ን ምምሕዳራትን። ስዊዛውያን ኣብ ፖለቲካዊ ውጥናት/ፕሮጀክታት ድምጺ ብምሃብ ክሳተፉ ይኽእሉ።

ፌደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ

ፌደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ብ1848 ተመስሪታ። ርእሲ ከተማኣ በርን እያ። ሓድነት ስዊዝ ኣብ ብሔር፡ ሃይማኖት ወይ ቋንቋ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ኩሎም ባህልታት ብወለንታ ብሓባር ዝተጠርነፉ ብምዃኖም፡ " ሃገረ-ድልየት"(Willensnation|"Nation par volonté") ከሰምያ ይኽእል። ስዊዘርላንድ ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ሻራ ዘይብላ ሃገር ኢያ።

ፈደራላዊ ስርዓት

ኣብ ስዊዘርላንድ ካንቶናትን ምምሕዳራትን (ከተማታትን ከባቢታትትን) ልዑል መሰል ምውሳን ኣለዎም። ፖለቲካዊ ብቅዓትን ሓጋጊ ኣካልን ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ፡ ካንቶናትን ምምሕዳራትን (ከተማታትን ከባቢታትን) ዝተመቓርሐ ብምዃኑ (Subsidiaritätsprinzip | principe de subsidiarité) ፌደራላዊ ስርዓት (Föderalismus | Fédéralisme) የስምዮ። እተን 26 ካንቶናትን ልዕሊ 2000 ምምሕዳራትን (ከተማታትን ከባቢታትን) ምሉእ መንግስታዊ ቅርጺ ኣለወን። ካንቶን በርን ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዋም፡ መንግስታዊ ምሕደራ፡ ባይቶን ቤት ፍርዲን ኣለዎ። ብዙሓት መንግስታዊ ንጥፈታት ንምትግባር ካንቶናትን ምምሕዳራትን (ከተማታትን ከባቢታትን) ሓላፍነት ይስከሙ። ስለዚ'ዩ ከኣ ንኣብነት ስርዓተ ትምህርቲ ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ዝፈላለ። ፌደራላዊ ሕጊ ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ተፈጻምነት ክህልዎ እንከሎ፣ ሕጋጋት ካንቶናት ኣብ ክሊ ምሕደራኦም ጥራይ ይትግበር። ምምሕዳራት'ውን (ከተማታትን ከባቢታትን) ናይ ገዛኣ ርእሰን ሕጋጋት ክሕንጽጻ ይኽእላ። ምምሕዳራት ከባቢታት፡ ካንቶናትን ፌደራላዊ መንግስትን መካየዲ ንጥፈታቶም ግብሪ ይስልዑ።

ምምቕራሕ ስልጣን

ስልጣን ኣብ ሓደ ንኸይጥቕለልን ምዕሩይ ምቕርሐ ንክህሉን፡ ኣብ ሃገረ ስዊዝን ኣብ ካንቶናትን ስልጣን ኣብ ሰለስተ ርእሰን ዝኸኣላ ኣካላት ይኽፈል። ንሳተን ከኣ ሓጋጊ ኣካል(gesetzgebende Gewalt | autorité legislative)፡ ፈጻሚ ኣካልን (gesetzesausführende Gewalt | autorité exécutive) ፈራዲ ኣካልን (richterliche Gewalt | autorité judiciaire) እየን። ኣብ ካንቶን በርን ዕማም ሰብ መዝታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

  • ሓጋጊ ኣካል/ Legislative ፡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ (Grosser Rat | Grand Conseil) (ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝምረጹ 160 ኣባላት ኣለውዎ)። ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረብ ወገን ካንቶን በርን ዝኾነ በርነር ዩራ፡ ኣብ ሓጋጊ ኣካል ናይ 12 መናብር ሕዙእ ቦታ ኣለዎ።
  • ፈጻሚ ኣካል (መንግስቲ) (Regierungsrat | Conseil-exécutif)፡ መንግስታዊ ቤት ምኽሪ / (Regierungsrat | Conseil éxécutif) ( ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝምረጹ ሸውዓተ ኣባላት ኣለውዎ)። በርነር ዩራ ሓደ ሕዙእ መንበር ኣለዎ።
  • ፈራዲ ኣካል/ Judikative ፦ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፍርዲ ብደረጃ ካንቶን በርንን ምምሕዳራትን (ከተማን ከባቢን) ኣለዉ።


ምምሕዳር ከተማታት'ውን ፈጻሚ ኣካል (Gemeindeversammlung oder Parlament) ባይቶ ምምሕዳር ከተማን፡ ሓጋጊ ኣካል (Gemeindeversammlung | Assemblée Communale) ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከባብን ኣለዎ። ብደረጃ ሃገር ሓጋጊ ኣካል ክልተ ጨናፍር ኣለውዎ። ሃገራዊ ቤት ምኽርን ቤት ምኽሪ ምምሕዳራትን (National- und Ständerat | Conseil national et Conseil des Etats)። ሃገራዊ መንግስቲ (ብሸውዓተ ኣባላት ይምራሕ) ቡንደስራት (Bundesrat | Conseil fédéral) ይበሃል። ብደረጃ ሃገር ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፍርዲ ኣለዉ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ከም ዝለዓለ ፈራዲ ኣካል፣ ንኣብነት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ካንቶናት ዝተወሰኑ ጉዳያት ናብኡ ክመሓላለፉ ይኽእሉ።

ዲሞክራሲያዊ መሰል

ስዊዛውያን ክመርጹን ክምረጹን መሰል ኣለዎም። ብደረጃ ምምሕዳር ከተማ/ከባቢ፡ ካንቶንን ፌደራላዊ መንግስትን ፖለቲካዊ መራሕቶም ክመርጹን ንባዕሎም'ውን ክወዳደሩ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ዜጋታት ስዊዝ ብደረጃ ምምሕዳር ከተማ/ከባቢ፡ ካንቶንን ሃገረን ኣብ ዝግበሩ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብመልክዕ ሪፈረንዱም ህዝባዊ ድምጺ ይህቡ (ቀጥታዊ ዲሞክራሲ)። ዜጋታት ብህዝባዊ ተበግሶ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶን ሕቶን ኣብ ምርጫ ከቕርቡ ይኽእሉ። ወጻእተኛታት ነበርቲ ካንቶን በርን ክመርጹን ክምረጹን መሰል የብሎምን። ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብንጥፈት ናይ ምውሳእን ንሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ኣብ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ከብጽሑን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ-። - ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ማሕበራት ወይ ክለባት ምዃን - ኣብ ኮምሽናትን ካልኦት ትካላትን ምስታፍ - ምቅራብ ጥርዓን/ፐቲሽን - ብመልክዕ ደብዳቤ ናብ ኣንበብቲ ወይ ኢንተርነት ምዝርጋሕ። ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት/ከባቢታት ንስደተኛታት ዕድል ምስታፍ ዝህቡ ኣካላት ኣለዉ።ንኣብነት መድረኽ ተሳታፍነት ስደተኛታት በርን።

መሰረታዊ መሰላት

ኣብ ስዊዘርላንድ እቶም ዝበረኹ ሕጋዊ መርሓታት መሰል፡ ኣብ ሃገራዊ ቁዋም (Bundesverfassung | Constitution) ዝሰፈሩ'ዮም። እቲ ቀንዲ ክፋል ፌደራላዊ ቅዋም፡ እቶም ኣብ ኣዋጃት ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (EMRK | CEDH) ዝተመርኮሱ መሰረታዊ መሰላት'ዮም። እዚኦም ደቂ ሰባት ንኽህልዉ ( ንኣብነት ናይ ምንባር መሰል: መሰል ምርካብ ሓገዝ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት)፡ ካብ መንግስታዊ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት፣ ዓመጽቲ ጉጅለታትን ብዙሕነት ዘለዎ ወገንን ይከላኸሉ። እዚ መሰላት፡ ሰባት ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቶም፡ ዓሌቶም፡ ሃይማኖቶም፡ መበቆሎም፡ ቋንቋኦም፡ ዕድሚኦም፡ ጾታዊ ዝምባሌኦምን ኣካላዊ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ ስንክልናኦምን ግዳይ ኣድልዎን ዓመጽን ከይኮኑ ውሕስነት ይህቦም። እዚ ውሕስነት'ዚ ዓይነት፡ መንበሪ ፍቓድን ዜጋ ናይ ምዃንን ዘይምርኮስ፡ ንኹሉ ብማዕረ ዝወሃብ'ዩ። ኣብ ካንቶን በርን ግዳይ ኣድልዎ ዝኾኑ ነጻ ኣገልግሎት ምኽርን ደገፍን ይረኽቡ። ግዳይ ኣድልዎ ዝኾኑ ሰባት ኣብ መወከሲ ቦታታት ምውህሃድ ወይ ንሰብ ሞያ (gggfon, RBS) ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብ ስዊዘርላንድ ናጽነት ሃይማኖት፡ ምሃብ ርእይቶን ምዝርጋሕ ጽሑፍን ዝተሓለወ ኢዩ።