ሃይማኖት

ስዊዘርላንድ ብልምዲ ሃገረ ክርስትያን ኢያ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን ብርክት ዝበሉ ሕብረተ ሰባት ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታታት ይነብሩ ኣለዉ። ብዙሓት ስዊዛውያን ዝኾነ ሃይማኖት ዘይክተሉ ኣለዉ። ኣብ ስዊዘርላንድ ውሑስ ናጽነት ሃይማኖት ክህሉ እንከሎ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከኣ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጸግዒ ዘይሓዛ'የን።

ሃይማኖትን ሃገርን

ስዊዘርላንድ ብልምዲ ብሃይማኖት ክርስትና ዝተቀርጸት'ያ። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ምውሳን፡ ሓላፍነት ካንቶናት'ዩ ። ኣብ መብዛሕተአን ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን ዝኾና ካንቶናት ስዊዘርላንድ፡ እንኮላይ ካንቶን በርን፡ ትካላት ሃይማኖት ክርስትያን ከም ህዝባዊያን ሕጋዊያን ትካላት (ሃገራውያን ኣብያተ ክርስትያናት) ኣፍልጦ ይወሃበን። እዚ ማለት ከኣ መንግስቲ ንገለ መሰላተን ውሕስነት ይህበን። ብንጹር ንምጥቃስ፡ እተን ቤተ ክርስትያናት ካብ ኣባላተን ግብሪ ክእክባ ይኽእላ። ኣብ ካንቶን በርን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ ቤተክርስትያን ተሃድሶን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ሃገራውያን ቤተ ክርስትያናት'የን። ኣይሁዳውያን ሕብረተ ሰብ ብ1997 ኣብ በርንን ቢልን ህዝባዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም።

ሃይማኖታዊያን ማሕበራት ካንቶን በርን

ኣብ ካንቶን በርን፡ ኣብ ርእሲ'ተን ብህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዘለወን ሃይማኖታዊ ትካላት (ሃገራውያን ኣብያተ ክርስትያን)፣ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተኸተልቲ ካልእ ሃይማኖታት ዝኾኑ ማሕበረ ሰብ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ነበርቲ ካንቶን በርን ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና'ዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ግን ቁጽሪ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና እናዓበየ መጺኡ። ዳርጋ ሓደ ርብዒ ነበርቲ ካንቶን በርን ተኸተልቲ ዝኾነ ሃይማኖት ኣይኮኑን።

ሃይማኖታዊ ናጽነት

ሃገራዊ ቅዋም ስዊዘርላንድ ንናጽነት ሃይማኖት የውሕስ። ዝኾነ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ክኽተልን፣ንዘለዎ ጽኑዕ እምነት ክገልጽን ክዝርግሕን መሰል ኣለዎ። ዋላ ሓደ ሰብ ተገዲዱ ኣብ ሓደ ሃይማኖት ክኣቱ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ሃይማኖት ጎስጓሳት ክሳተፍ ኣይከኣልን። ሰባት ተጠርኒፎም ሃይማኖታዊ ወግዕታቶም ከኽብሩን ክጽንብሉን ይኽእሉዮም። ዋላ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ክውገን ወይ ክንጸል የብሉን።

ሃይማኖትን ትምህርቲን

እቲ ግቡእ መሰረታዊ ትምህርቲ ካብ ጸግዒ ዝኾነ ሃይማኖት ነጻ'ዩ። እዚ ማለት ግን ሃይማኖታዊ ኣርእስትታት ኣይትንከፍን'ዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ክልተ ዓይነት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፦ ብሃገራውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝወሃብ ዞባዊ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ብኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርትን "ስነ ምግባርን ሃይማኖትን ሕብረተ ሰብን" ይፈላለ ኢዩ። እዚ ዓይነት ትምህርቲ'ዚ ነቲ ንኹሉ ዝትንክፍ ሃይማኖታውን ስነ ምግባራውን ጉዳያት ይድህስስ። ኣብ መባእታውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሕን ግዴታዊ ዓይነት ትምህርቲ'ዩ። ተሳታፍነት ኣብ ቤተ ክርስትያናት ናይ ዝወሃብ ትምህርቲ ወለንታዊ'ዩ። ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታት ሓድ-ሓደ እዋን ንደቆምን ንሕብረተ ሰቦምን ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ወጻኢ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ይህቡ።