ኣልኮል / ትምባኾ / ሓሽሽ

ሓሽሽ ዝሓዘ፡ ዝጥቀም(ዝወስድ) ወይ ዝሸይጥ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክቕጻዕ(ክኽሰስ) ይኽእል እዩ። ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ንምሻጥ ናይ ናይ ዕድመ ገደብ(ደረት) ኣለዎ።

ሓሽሽ

ዘይሕጋዊ ሓሽሽ ምሓዝን፡ ምሻጥን ምጥቃምን ብሕጊ የቕጽዕ እዩ። እዚ ንሒደት ዓቐን እውን ይምልከት እዩ። ኣየናይ ንጥረ ነገራት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣብ ሕጊ ሓሽሽ (Betäubungsmittelgesetz | Loi sur les stupéfiants) ተሓጊጉ እዩ። ሓሽሽ ምሻጥ ከቢድ መቕጻዕቲ እዩ ዘቕጽዕ።

ኣልኮልን ትምባኾን

ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ንምሻጥ ናይ ዕድመ ገደብ ኣለዎ። ንኣብነት ከም ቢራ፡ ወይኒ፡ ፍረ ወይኒ ዝኣመሰለ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ካንቶን በርን ንዝርከቡ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን ኣባጽሕን ኣይሽየጥን ወይ ኣይወሃቦምን(ኣይመሓላለፍን) ። ንዝተወሰኑ ኣልኮላዊ መስተን ከም ስፕሪትስን ፍርያት ትምባኾን ዝኣመሰሉ ገደብ ዕድመ ዓመት 18 እዩ። ኣልኮላዊ መስተ ወይ ትምባኾ ናብ ንኣሽቱ ሰባት ዘመሓላልፍ ዝዀነ ሰብ ክኽሰስ(ክቕጻዕ ) ይኽእል እዩ። ኣብ ኣብያተ መግብን ድኳናትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዕድመ ዓማዊል ክፈልጡ(ከጻርዩ) ኣለዎም።

ምኽልካል ምትካኽ ሽጋራ

ኣብ ስዊዘርላንድ ምትካኽ ሽጋራ ዝኽልክል እገዳ ብካንቶን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ካንቶን በርን ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ዕጽው ቦታታት፡ ህዝባዊ ቦታታት (ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣብ ምምሕዳራት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ኣብያተ መዘክር፡ ኣብ ሲነማታት፡ ኣብ ትያትራት፡ ኣብ ባቡራት፡ ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ድኳናት ከምኡውን ኣብ ማእከላት ዕዳጋ) ከይህሉ ዝተኣገደ እዩ። ኣብ ቤት መግቢ እውን ምትካኽ ሽጋራ ክልኩል እዩ። ብዘይካዚ ዝተፈልየን ኣየር ዝኣትዎን ሽጋራ ዝትከኾ ክፍልታት እኳ እንተሎ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። ምትካኽ ሽጋራ ዝኽልክል እገዳ ንሰባት ካብ ናይ ጥዕና ሓደጋታት ንምዕቋብ ተባሂሉ እዩ።