ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓባር ምንባር

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ መለለይ ባህሊ ኣለዋ። ስለዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ክነስተውዕለሎም(ክጥንቀቐሎም) ዘለዎም ዘይተጻሕፉ ገለ ሕግታት እውን ኣለዉ። ይኹን እምበር እዚ ከከም ኩነታቱ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ዝተፈላለዩ ባህልታት

ስዊዘርላንድ ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዋ ሃገር እያ። ብፍላይ ብምኽንያት እቲ ኣርባዕተ ቋንቋታት ዝዝረበሉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣተሓሳስባና ካብ ዞባ ናብ ዞባ እንተ ተፈላለየ ዘገርም ኣይኰነን። ናይ ጀርመን ዝዛረቡ ፍሉይ ባህሊ ኣካል ስዊዘርላንድ ናይ ግድን ፈረንሳይ ንዝዛረቡ ኣካል ስዊዘርላንድ ዝምልከት ኣይኰነን። ኣብ መንጎ ከተማታትን ገጠራትን ዘሎ ፍልልይ እውን ዓብይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ሒደት ምምስሳል ኣሎ ።

ሰላምታ

ኣብ ስዊዘርላንድ ሰላም ንምባል ሰባት ኣእዳዎም ዘርጊሖም ኣዒንቶም ይጠማመቱ (ዓይኒ ንዓይኒ)፡ ዋላ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ከይተረፈ ይጠማመቱ እዮም። ኣብ ካንቶን በርን ልሙድ ዝዀነ ናይ ሰላምታ "ግሩሲ/ግሩሰኽ"ብበርን ዶች ክምኡውን "ቦንጆኽ" ብፈረንሳይ፡ (ምስ ኣዕሩኽትኻ ከም "ሃሎ" ወይ "ትቹ/Tschou" ብዶች ወይ "ሳሉ" ብፈረንሳይ ዝኣመሰለ ሰላምታታት ኣሎ)። ኣብ ገለ ከባቢታት ካልእ ዓይነት ሰላምታ እውን ኣሎ ። ርግጸኛ እንተ ዘይኰንካ "ግሩሲ/ ግሩሰኽ" ወይ "ቦንጆኽ" እንተ በልካ ዝሓሸ እዩ። ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ሰባት ዋላ እውን ዘይፋለጡ እንተ ዀኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መገዲ ሰላም ይበሃሃሉ እዮም። የመስግነካ ከምኡውን በጃኻ ዝብሃላ ቃላት እውን ኣገደስቲ እየን፡ ንኣብነት ኣብ ድኳናት ወይ ኣብያተ መግቢ ብተደጋጋሚ "የመስግነካ" ከምኡውን "በጃኻ" ምባል ልሙድ እዩ።

ሰዓት ምኽባር

እቲ ህቡብ(ውሩይ) ስዊዘርላንዳዊ ሰዓት ምኽባር ንስለዘረባ (ኣበሃህላ) ጥራይ ኣይኰነን ። ልዕሊ 5 ደቒቕ ደንጒኻ እንተ ኴንካ ብተሌፎን ክትነግሮም(ክትሕብሮም) ኣሎካ። ብፍላይ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ሰዓት ምኽባር ዓብይ ዋጋ(ኣገዳስነት) ኣለዎ። 5 ደቒቕ እውን እንተዀነ ከም ዝደንጐየ ጌርካ እዩ ዝርአ ። ደንጒኻ እንተ ኴንካ ነቶም ሓለፍትኻ ወይ መሳርሕትኻ ኣብ ግቡእ ግዜ ክትነግሮም ኣሎካ። ብሕት ኢልካ ኽትራኸብ እንተ ደሊኻ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምካ ቆጸራ ኢኻ እትገብር። ከይነገርካ(ከይሓበርካ) ምብጻሕ ኣብ ናይ ብሕቲ ሃዋሁ እውን ከይተረፈ ልሙድ ኣይኰነን።

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ(ምብህሃል)

ንሓድሕድካ ብግቡእ ምርዳእ ብፍላይ ሓባራዊ ቋንቋ እንተ ዘይብልካ (ገና ክሳዕ ሕጂ) ኩሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ስዊዘርላንድ እውን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ይኹን እምበር ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ትሕትና ብዙሕ ዋጋ እዩ ዘለዎ ክበሃል ይከኣል እዩ። ሓሳባቶም ብቐጥታን ብንጹርን ዝገልጹ ሰባት እኳ እንተ ኣለዉ ብቐጥታ ካብ ምዝርራብ ዝቑጠቡ ካልኦት እውን ኣለዉ። እዚ ነቐፌታ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ተሓቢኡ እዩ ዝግለጽ። ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ነቐፌታ ከስተውዕል ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። እዚ ቀሊል ኣይኰነን ናብ ግጉይ ርድኢት እውን ከምርሕ ይኽእል እዩ። ነቲ ኻልእ ሰብ ጽቡቕ ጌርካ ምስማዕ ነቲ ዝሰማዕካዮ ምድጋም ከምኡውን ገለ ነገር ዘይተረድኣካ እንተ ኴንካ ምሕታት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እውን ዝምልከት(ዝውዕል) እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ኣብ ግጭት ብቐጥታ ንኸይጋጨዉ ይሓፍሩ እዮም። ከጋጥም ይኽእል እዩ ንኣብነት ካብ ጐረቤትካ ደብዳበ ክመጸካ ይኽእል እዩ ገለ ዘጨንቕ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ ኣብ ክንዲ ቀጥታዊ ዝርርብ ምስኻ ዝደሊ። ሓደ ነገር ንጹር እንተ ዘይኰይኑ ብዙሕ ካብ ውሑድ ምሕታት ይሓይሽ ።