ሰዓታት ስራሕ / በዓላት

ኣብ ስዊዘርላንድ መብዛሕትኡ ድኳናት ሰንበት ዕጽው እዩ። ብዘይካ ኣብ መደበራት ባቡርን መደበራት ነዳድን ዝርከብ ድኳናት። ህዝባዊ በዓላት ብካንቶን እዩ ዝመሓደር።

በዓላት

በዓላት ኣብ ሕጊ ሸቃሎ ዝተሓገገን ብሕጋዊ መገዲ ምስ ሰንበት ዝመዓራረን እዩ። 1 ነሓሰ (ሃገራዊ በዓል) ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ህዝባዊ በዓል እዩ። ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፍ ካንቶን ተወሳኺ ወግዓዊ በዓላት ከብዕል ይኽእል እዩ። ኣብ በርን እዚ ዝስዕብ ህዝባዊ በዓላት ኣሎ፡ በዓል ሓድሽ ዓመት (1 ጥሪ)፡ መዓልቲ በርኽቶልድ (2 ጥሪ)፡ ዓርቢ ስቕለት(ዓርቢ ቅድሚ በዓል ትንሳኤ)፡ በዓል ትንሳኤ ሰኑይ (ሰኑይ ድሕሪ በዓል ትንሳኤ )፡ መዓልቲ ዕርገት(ሓሙስ 40 መዓልቲ ድሕሪ በዓል ትንሳኤ )፡ ሰኑይ በዓል ጴንጠቆስጠ (50 መዓልቲ ድሕሪ በዓል ትንሳኤ ) ሃገራዊ በዓል (1 ነሓሰ)፡ ልደት (25 ታሕሳስ) መዓልቲ ቅዱስ ስቲፋኖስ (26 ታሕሳስ)።

ሰዓታት ስራሕ ድኳናት (ምኽፋት ድዃናት)

ናይ ድኳናት ናይ ስራሕ ሰዓታት ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ እዩ። ኣብ ካንቶን በርን እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ ናይ ድኳናት ናይ ስራሕ ሰዓታት ይስርሓሉ፡

  • ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 20 (ማለት ካብ ሰዓት 6 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ)
  • ቀዳም ካብ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 17 (ማለት ካብ ሰዓት 6 ቅድሚ ቀትሪ ክሳዕ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ (ንመዓልትታት ድሮ ህዝባዊ በዓላት እውን ዝምልከት እዩ)


ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ክሳብ ሰዓት 22 (ማለት ክሳብ ሰዓት10 ናይ ምሸት) ክሽየጥ ይፍቀድ። ሰንበት መብዛሕትኡ ድኳናት ዕጹው እዩ። ብዘይካዚ ድኳናት ኣብ ምውፋር ባቡርን መደበራት ነዳዲ መብዛሕትኡ ግዜ ን 7 መዓልቲ እዩ ዝኽፍት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣቐዲምካ ዝኽፈትን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድሒሩ ዝዕጾን መደበራት ነዳዲ ኣሎ። ኩሉ ካልእ ድኳናት ሰንበት ወይ ህዝባዊ በዓላት ኣብ ዓመት ክልተሳዕ ክኽፈት ይፍቀድ እዩ።

ህዝባዊ ምምሕዳር ሰዓታት ስራሕ (ምኽፋት)

ምምሕዳር ካንቶናት ዝኽፍተሉ(ዝጅምረሉ) ሰዓታት ይፈላለ እዩ። ብሓፈሻኡ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ንግሆን ድሕሪ ቀትርን እዩ ዝኽፈት፡ ኣብ እዋን ምሳሕ ከኣ ይዕጾ። ምምሕዳራት ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ዝኽፍተሉ ሰዓታት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ብፍላይ ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳራት ናይ መኽፈቲ ሰዓታት ውሱን(ድሩት) ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ኾይኑ እቲ ቤት ጽሕፈት መዓስ ይኽፈት ኣቐዲምካ ብኢንተርነት ወይ ብተሌፎን ክትሓትት ጠቓሚ እዩ።