ምውናን እንስሳ ዘቤት
ኣብ ክራይ ገዛ(ኣባይቲ) ትነብር እንተ ደኣ ኴንካ ንኣሽቱ እንስሳታት ከም ሓሰማታት፡ ሃምስተርስ(ኣንጭዋ መሰል እንስሳ) ፡ ካናሪ ዑፍ ወይ ዓሳ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ እንስሳታት ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር እንስሳታት (እንተላይ ድሙ ወይ ንኣሽቱ ኣኽላባት) ከይትሕዙ (ከይትውንኑ) ኣብቲ ክራይ ውዕል ኽልከል ይኽእል እዩ። ኣካራዪ ነቶም ድምጺ ዝገብሩ (ዝውጭጩ) ወይ ሓደገኛታት እንስሳታት'ውን ክኽልክሎም ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ወነንቲ እንስሳታት ሕግታት ድሕንነት እንስሳታት ከኽብሩ ኣለዎም። ንገለ እንስሳታት(ንኣብነት ማንቲለ) ንበይነን ኣይትሕዞምን ትኸውን። ከምኡውን ግዝፍን ናውትን(ትሕዝቶን) ጋብያ(ሰፈር) እውን እንተኾነ ዝወሓደ ብቕዓታት ከማልእ ኣለዎ ። ብዙሓት እንስሳታት ( ናይ ወጻኢ እንስሳታት) ናብ ስዊዘርላንድ ክኣትዉ ፈጺሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ንገለ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም እንስሳ ፍሉይ ፍቓድ የድልዮም።