ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተድኣ መሰል ነባሪ ተፈልዩ
እንተዳኣ ሓደ ሰብ ብመሰረት መርዓ ኣብ ስዊዘርላንድ እንተድኣ ሃልዩ እሞ ዘቤታዊ ጎነጽ ኣጋጢሙዎ፣ እዚ ሰብ በቲ ኩነታት መሰረት ድሕሪ ምፍልላይ'ዉን እንተኾነ ኣብ ስዊዘርላንድ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ኩሉ ኩነታት ዝተፈለየ እዩ። ስለዚ ኽኣ እዩ ምኽሪ ምድላይ ኣገዳሲ ዝኾነ።
ማእከል ምኽሪ ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe-Beratungsstellen) ደገፍ ከቅርብ ይኽእል። እቲ ፍሉይ በዓል ሞያ ህሉው ሕጋዊ ኩነታት ይገልጽን ኣብ ቀጻሊ ደረጃታቶም ነቲ ግዳይ ይድግፍ። ምኽሪ ካብ ክፍሊት ናጻን ምስጢራዉን እዩ። ተርጓማይ ይካኣል እዩ።