ንግዳያት ምኽርን ሓለዋን

ዝተፈላለያ ወኪላት ናይ ዘቤታዊ ዓመጽ ግዳያት ይሕግዛ – መብዛሕትኡ ግዜ ምስጢራዉን ካብ ክፍሊት ናጻን። ኣብ ከባቢ ግዳያት ዘለው ሰባት'ዉን ሓገዝ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓደጋ ግዜ

ኣብ ሓደጋ ግዜ፦ ንፖሊስ መጠንቅቕታ ክህቡ (ተሌ 112).

ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ኣብ መጽለሊ ደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ክረኽቡ ይኽእሉ። እቲ ፍሉይ በዓል ሞያ ንግሆን ምሸትን ናይ AppElle! ናጻ ናይ ስልኪ መስመር ይምልስ (ተሌ 031 533 03 03)።

ብዙሓት ቁጽርታት ናይ ሓደጋ ግዜ ተዘርዚሮም ኣለው ኣብዚ።

ምኽሪ ካብ ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe)

እቲ ማእከላት ምኽሪ ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe-Beratungsstellen) ኣብ ስድራኦም ዓምጽ ዘጋጠሞም ሰባት ይመክርን ይሕብርን። እዚ ሓገዝ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ግዳያት ዝቕጽል ስጉምትታቶም ብሓባር ምስ ፍሉይ በዓል ሞያ መደብ ከውጽኡ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ሰራሕተኛታት ንምስጢራዉነት ተገዛእቲ እዮም። እዚ ማለት ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ንዝኾነ ሰብ ክሕብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ንፖሊስ ዋላ እንተኾነ።

ደገፍ ግዳይ ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን

ንዝኾነ ሰብ ደገፍ ግዳይ