ሓገዝ ኣብዚ ኣሎ

ንዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ንምርካብ ኣገዳሲ እዩ! ዝተፈላለያ ወኪላት ሓበሬታ፣ ምኽርን ደገፍን የቕርባ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስጢራዉን ወትሩ ካብ ክፍሊት ነጻን ኣድላዪ እንተኾይኑ ምስ ተርጓማይ እዩ። ሓገዝ ካብዚኦም ቦታታት ይርከብ።

ኣብ ሓደጋ ግዜ

  • ፖሊስ፡ 112 / ኣምቡላንስ፡ 144
  • መጽለሊታት ደቂ ኣንስትዮ፡ AppElle! (24/7 ናጻ ናይ ስልኪ መስመር)፣ 031 533 03 03
  • ናይ ሆስፒታል ናይ ሓደጋ ግዜ ክፍሊ፡ ንዝተጎድኡ ሕክምና ኣብ ናይ ሓደጋ ግዜ ክፍሊ ብዘይቆጸራ ይርከብ እዩ
  • ናይ ኣእምሮ ሕክምና ናይ ሓደጋ ግዜ፡ ኣብ www.psy.ch ዝርዝር መራኸቢ ነጥብታት ብዞባ

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ሓደጋ ግዜታት ንሓገዝ ኣብዚ ይርከብ።

ኣገልግሎት ምኽሪ ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን

ምስጢራዉን ካብ ክፍሊት ናጻን። ተርጓማይ ይካኣል እዩ።

ኣገልግሎት ምኽሪ ንነፍስወከፍ

ምስጢራዉን ካብ ክፍሊት ናጻን። ተርጓማይ ይካኣል እዩ።

ቆልዑን መንእሰያትን

ኩነታት ጸገም ስድራ ዘለዎም ቆልዑን መንእሰያትን ንምዝራብ መዓልትን ለይትን ናብ Pro Juventute ክድውሉ ይኽእሉ። ብተሌፎን፣ ብዕላል፣ ብጽሑፍ፣ መልእኽቲ ወይ ብኢሜይል።

  • Pro Juventute፦ ምስጢራዉን ናጻ ምኽሪ 24/7፣ ተሌ 147, www.147.ch (DE | FR)

ዕድመኦም ክሳብ 16 ንዝኾኑ ቆልዑ ጾታዊን ኣካላዊን ዓመጽ እንተድኣ ተጠርጢሩ፣ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል (Inselspital) ዘሎ ጉጅለ ሓለዋ ቆልዓ፣ ንብሕታውያን ውልቀሰባትን ኪኢላታትን ገምጋማት በተወሳኺ'ውን ምኽሪታት ይህብ።

ሕክምናዊ ሓገዝን ቤት ፍርዳውን

ናይ ሓደጋ ግዜ ከተማ (City Notfall) ኣብ በርን ድሕሪ ኣካላዊ ዓመጽ ኣብ መጉዳእትታትን መርትዖ ሕውየትን ስፐሺያላዝ ዝገበረ። መርመራታት ምስጢራዉያን እዮም። እቲ ፖሊሲ ዝሕበሮ እቲ ግዳይ ነዚ እንተደልዩ ጥራይ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታ ሕክምናዊ ፍወሳ ዝደልዩ ሰባት።

  • ንግዳያት ዓምጽ ሕክምናዊ መራኸቢ ነጥቢ፡ ናይ ከተማ ናይ ሓደጋ ግዜ (City Notfall) Bern, 031 326 20 00, Schanzenstrasse 4a, 3008 Bern, www.citynotfall.ch/de/postparc-bern (DE)
  • ኣብ ሓደ ሓኪም ስድራ ወይ ኣብ ናይ ሓደጋ ግዜ ኣብቲ ዝቐረበ ሆስፒታል

ጾታዊ ዓመጽ

  • ደቂ ኣንስትዮን ዕድመኦም 16 ን ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣጓላትን፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል በርን (Inselspital Bern), University Clinic for Gynaecology, 031 632 10 10, Friedbühlstrasse 19, Theodor-Kocher Haus, 3010 Bern, www.frauenheilkunde.insel.ch/de/sexuelle-gewalt-gegen-frauen (DE)
  • ዕድሚኦም 16 ከምኡ'ውን ልዕሊኡ ዝኾኑ ሰብኡትን ካልኦት ዝተጎዳኡ ሰባትን፡ ማእከል ናይ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሓደጋ ግዜ – ናይ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል በርን (Universitäres Notfallzentrum Inselspital Bern), 031 632 24 02, Freiburgstrasse 16c, 3010 Bern, www.notfallzentrum.insel.ch (DE)
  • ድሕሪ ጾታዊ ዓመጽ ደገፍ ግዳይ፡ Lantana, 031 313 14 00, www.lantana-bern.ch (DE)

ንዓመጽቲ ሰባት ምኽሪ

ምስጢራዊ። ተርጓማይ ይካኣል እዩ።

ካልኦት መራኸቢ ነጥብታት

መርበብ ሓበሬታ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ ማእከል ምትእትታው በርን (Berner Interventionsstelle gegen Häusliche Gewalt) ክሕግዙ ዝኽእሉ ካልኦት ወኪላት ይዝርዝር። ንኣብነት፣ ብዛዕባ ስደት፣ ኣገልግሎት ምኽሪ ወልፊ፣ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ኣብ ኩነታት ጸገም ስድራ ኣገልግሎት ምኽሪ (ዝርዝር ብጀርመንኛን ፈረንሳይኛን)።