ክንክን ጥዕና/ቀረብ ሕክምና

መብዛሕትኡ እዋን ዝዀነ ዝሓመመ ወይ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ ፈለማ (ኣቐዲሙ) ናብ ናይ ገዛ(ስድራ)ሓኪም ክኸይድ ኣለዎ። ንቀለልቲ/ነኣሽቱ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ኣብ ፋርማሲታት እውን ሓገዝ ክረክብ ይከኣል እዩ። ን ከቢድ ህጹጽ ኩነታት ጥራይ እዩ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ክኽይድ ዘለዎ።

ፋርማሲታት/ቤት መሸጣ መድሃኒት

ፋርማሲታት ዝተኣዘዘ መድሃኒት(ብሓኪም ዝተኣዘዘ) ከምኡውን ካልእ ኩሉ መድሃኒታት ይሸጣ እየን ። ቀሊል(ንእሽቶ) ሕማም እንተ ኣለኩም ፈለማ ናብ ፋርማሲ ክትከዱ ትምሕጸኑ(ትምከሩ)። ፋርማሲስት ብግቡእ ዝሰልጠኑን(ዝተማህሩን) ንዓማዊሎም ጽቡቕ ዝመኽሩን (ዝሕግዙን) እዮም። ተረኛ ፋርማሲ ወትሩ(ኩሉ ግዜ) ኽፉት ስለ ዝዀነ ኣብ ግዜ ህጹጽ ኩነታት መድሃኒት(ሓገዝ) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣየናይ ተረኛ ፋርማሲ ተኸፊቱ ከም ዘሎ ክትፈልጡ በዚ ዝስዕብ ቍጽርታት ተሌፎን ደዊልኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡

  • በርን/Bern: 0900 98 99 00 (0.98 CHF/Min.)
  • ቢል/Biel: 0842 24 24 24
  • ቱን/Thun: 0900 36 36 36 (0.88 CHF/Min.)

ሓኪም ስድራቤት(ናይ ገዛ ሓኪም) / ሓኪም ቆልዑ

ኣብ ስዊዝ ብዙሓት ሰባት ናይ ገዛ(ስድራቤት) ሓኪም ኣለዎም (Hausarzt | médecin de famille)። ሓኪም ስድራ(ገዛ) ብሕታዊ ናይ ጥዕና(ሕክምና) ታሪኽኩም ይፈልጥ እዩ፡ ጸገማት ጥዕና ምስ ዘጋጥመኩም ናይ መጀመርያ ተጸዋዒ(ተሓታቲ) ሓኪም እዩ። ንቆልዑ(ህጻናት) ሓካይም ቆልዑ ኣለዉ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እቲ ሓኪም ንሕሙማት ናብ ክኢላታት ሓካይም ወይ ናብ ሆስፒታል ክሰዶም(ከመሓላልፎም) ይኽእል። ከቢድ ሃንደበታዊ ኩነታት እንተ ኣጋጢምኩም ጥራይ እዩ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ክኽየድ ዘለዎ። ንኻልእ ኩሉ ህጹጽ ኵነታት ካብ ናይ ሓካይም ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ዝሰርሕ ኣብ ካንቶን በርን ሓደ ማእከላይ ናይ ሕጹጽ ቁጽሪ ቴለፎን ኣሎ። በዚ ቁጽሪ 0900 576 747 (ታሪፍ፡ CHF 1.98/Min.) ደዊልኩም ን 24 ሰዓታት ክትረኽብዎም ትኽእሉ።

ሓኪም ስኒ

ሕክምና ስኒ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕልኹም ኽትከፍልዎ ኣለኩም። ይኹን እምበር ንሕክምና ስኒ ዝሽፍን ተወሳኺ መድሕን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ዝመሃሩ ቆልዑ ኣብ ዓመት ብናጻ መርመራ ስኒ ክግበረሎም መሰል ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ካብ ቤት ትምህርቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ሆስፒታል/ ክፍሊ ህጹጽ(ቀዳማይ) ረዲኤት

ዝኾነ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ (ክኣቱ) እንተ ዀይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓኪም እዩ ዝእዘዘሉ (Spital | hôpital)። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ከቢድ ህጹጽ ጸገም ከጋጥም ከሎ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ኩነታት ሆስፒታል ክትከዱ ኣለኩም። እቲ ክነታት ንህይወቱ ኣስጋኢ እንተ ዀይኑ ወይ እቲ ሕሙም ክለዓል(ክውሰድ) ዝድለ እንተ ኾይኑ ነዚ ናይ ህጹጽ ቍጽሪ 144 ክድወል ኣለዎ። ንቐለልቲ ሓደጋታት ናይ ገዛ/ስድራቤት ሓኪም ተሓታቲ እዩ።

ኣብ ቤትካ ምክንኻን

ሕሙማት ወይ ኣብ ቤቶም ደገፍ ወይ ክንክን ዘድልዮም ሰባት፡ ኣብ ቤቶም ክሕገዙ ዝደልዩን ኣገልግሎት ክፍሊ ተመላለስቲ ሕክምና ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም (Spitex | service de soins à domiciles externes)። ክኢላታ ንሕሙማት ንምእላይ ወይ ንናይ ገዛ ዕዮ ንምሕጋዝ ናብ ኣባይቲ ይኸዱ እዮም። እዚ ቀረብ(ኣገልግሎት) ነቶም ብሰንኪ ሕማም፡ ሓደጋ፡ ምስ ዕድመ እተተሓሓዘ ዝተጸገሙ፡ ኣብ ግዜ ጥንሲ ወይ ድሕሪ ሕርስን ንዘሎ ጸገማት ንምሕጋዝ ተባሂሉ እዩ። ገለ ክፋል ወጻኢታት ብመሰረታዊ መድሕን እዩ ዝሽፈን (Grundversicherung | assurance de base)። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ በርን ዝርከብ ማሕበር ሽፒተክስ ብዙሓት ናይ ብሕቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ ሽፒተክስ እውን ኣለዋ (Spitexverband | association Spitex)።