ነፍሰጾርን(ጥንሲን) ሕርስን

ጥኑሳት/ነፍሰጾራት/ኣንስቲ ንዘድሊ መርመራ ባዕለን ክኸፍላ ኣየድልየንን እዩ። ዋጋ ሕርሲ'ውን ብመሰረታዊ መድሕን እዩ ዝሽፈን(ዝኽፈል)። ወለዲ ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ብናጻ ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ንጥንሲን ሕርሲን ዝግበር ወጻኢታት ክፍሊት

ምስ ጥንሲ ወይ ሕርሲ ዝተሓሓዝ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብመሰረታዊ መድሕን እዩ ዚሽፈን (Grundversicherung | Assurance de base)። እዚ ኸኣ ስሩዕ መርመራ ቅድሚ ሕርስን ባዕሉ መስርሕ ሕርሲ ከምኡውን ድሕሪ ሕርሲ ዝግበር ኣድላዪ ክንክን የጠቓልል። ነፍሰጾራት ካብ ፈለማ ጥንሰን ንሓኪም ወይ ንመሕረስቲ ከማኽራ ኣለወን። ሆስፒታላትን መሕረስትንውን ናይ ሕርሲ ምድላው ኮርሳት ይህባ እየን (Geburtsvorbereitungskurs | Cours de préparation à l'accouchement)። ንስደተኛታት ዝኸውን ፍሉይ ኮርሳት ኣሎ። እቲ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ ማእከል መሕረሲ ወይ ኣብ ቤት(ገዛ) ክካየድ(ክፍጸም) ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ሕርሲ

ኣብ ስዊዝ ወለዲ ድሕሪ ሕርሲ ምኽሪ ክሓቱ ልሙድ እዩ። ነዚ ዕላማ ዝኸውን ማእከል ምኽሪ ኣዴታትን ኣቦታትን ኣሎ (Mütter- und Väterberatungsstelle | Centre de puériculture)። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ዕቤትን ኣመጋግባን ክንክንን ትምህርትን እቶም ካብ 0 ኽሳዕ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ብናጻ ሓበሬታ ይህብ። እዚ ማእከል ብዛዕባ ዕቤት፡ ኣመጋግባን ክንክን ሕጻናትን ሓበሬታ ይህብ። እቲ ምኽሪ ብናጻ/ብዘይክፍሊት እዩ። እታ ሓኪም ወይ እታ መሕረሲት ብዛዕባ ነታ ኣደን ነቲ ሕጻንን ኣድላዪ ዝዀነ መርመራ ትሕብረኩም እያ። እቲ ሕጻን ምስ ተወልደ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ናይ ሕማምን ሓደጋን መድሕን ክኣቱ ኣገዳሲ እዩ (Grundversicherung |Assurance de base, |Unfallversicherung, | assurance accident)። ቅድሚ ምውላድ/ሕርሲ ክፍጸም ክውዳእ ዝሓሸ እዩ።

ክታበት

ቈልዑ ንገለ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ ግዚኡ ክኽተቡ ንምሕጸን። ይኹን እምበር ክታበት ግዴታ ኣይኰኑን። ዋጋ ናይቲ ዝተኣዘዘ ክታበት መብዛሕትኡ ግዜ ብመሰረታዊ መድሕን እዩ ዝሽፈን። ሓኪም ቈልዑ ወይ ማእከል ኣማኻሪ ኣቦታትን ኣዴታን ብዛዕባ ክታበት ክሕብሩኹም እዮም።

ምንጻል ጥንሲ

ኣብ ስዊዝ ኣብተን ቀዳሞት 3 ኣዋርሕ ናይ ጥንሲ ግዜ: ጥንሲ ምንጻል ይከኣል። ድሕሪተን 12 ሳምንቲ (3 ኣዋርሕ) ድቂ ምሓዝ ግን ምንጻል ጥንሲ: ንኣካልዊን ስነ ኣእምሮእዊን ጥዕና ናይታ ኣደ ኣስጋኢ ምስዝኸውን ጥራይ ይፍቐድ። እዚ ኩነታት ግን ሓኪም ጥራይ መርሚሩ ክውስን ኣለዎ። ሓንቲ ኣደ ጥንሲ ምንጻል ምስትደሊ: ምኽሪ ብነጻ ክትረክብ ይከኣል። ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ትሕቲ 16 ዓመት ዝኾና ኣብ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ናይ ምኽሪ ማእከል ክውከሳ ይግባእ። ነዚ ኩሉ መድሃኒትን ምኽሪን ዝምልከት ክፍሊት ብመሰረታዊ ናይ ጥዕና መድሕን ይሽፈን።