ምርካብ መንበሪ ገዛ

ነበርቲ ስዊዝ መብዛሕትኦም ኣብ ገዛ ክራይ'ዮም ዝነብሩ። ስለ ዝኾነ ምድላይ መንበሪ ገዛ ቀሊል ኣይኮነን፣ ዋጋ ክራይ ገዛ ከኣ ልዑል'ዩ።

ዕዳጋ መንበሪ ገዛ

ነበርቲ ስዊዝ መብዛሕትኦም ኣብ ገዛ ክራይ ይነብሩ። ንመህነጺ መንበሪ ገዛ ዝኸውን ቃጽዖታት መሬት'ውን ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ፡ ብዝያዳ ከኣ ኣብ ማእከል ምምሕዳር ዝኾና ከባቢታት፡ ክራይ ገዛ ብዙሕ ኣይርከብን'ዩ። ዋጋ ገዛ ክራይ ክኣ ክቡር'ዩ። ሰባት ሓደ ርብዒ ናይ ደሞዞም ንገዛ ክራይ ይኸፍሉ። ስለ'ዚ ካብ ማእከል ከተማ ርሒቕካ መንበሪ ገዛ ክራይ ምድላይ፡ ተመራጺ ይኸውን። እንኮላይ ንኣሽቱ ዓድታት ጽቡቕ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስለ ዘለወን ዘሰክፍ ኣይኮነን።

ምርካብ መንበሪ ገዛ

ንቀረብ መንበሪ ገዛ ክራይ ዝምልከት ሓበሬታ ዝዝርግሓ ብርክት ዝበላ ማዕከናት ኢንተርነት ኣለዋ። ናይ ከባቢ ጋዜጣታት'ውን ሓበሬታ ዝካረ ኣባይቲ ይዝርግሓ'የን። ገለ ኣካረይቲ ገዛ ብዘይካ'ቲ ኣብ ማእከላት ዕዳጋ ዝልጥፍዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር'ውን ዝርዝር ዘለዎም ኣባይቲ ክራይ ይዝርግሑ'ዮም። ብኣንጽር'ዚ ብዙሕ ገዛውቲ ክራይ፡ መዋዕውዒ ኣይግበረሉን'ዩ። ስለ ዝኾነ ካብ ኣዝማድን ፈልጥትን ብዛዕባ ዝካረ ኣባይቲ ሓብሬታ ምእካብ የድሊ። .

ከም ደላዪ ገዛ ክራይ ምምልካት/ ወረቐት ምእታው

ሓደ ንክራይ ዝተዳለወ ገዛ ምስ ዝምስጠኩም፡ ምስ ወናኒ ገዛ ወይ ዝሕተተሉ ትካል ምክራይ ኣባይቲ ብምርኻብ ብዓይንኹም ንኽትርእይዎ ቆጸራ ትገብሩ። ድሕሪ ምዕዛብኩም ነቲ ገዛ ንኽትካረይዎ ከተመልክቱ ምስ እንተደልዩ፡ ሓደ ናይ መመዝገቢ ቅጥዒ ምክራይ ክትመልኡ ኣለኩም። ነዚ ቅጥዒ ካብ ኣካራዪ ገዛ ትረኽብዎ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ገዛ፡ ተኻረይቲ ካብ ዕዳ ነጻ (Betreibungsregisterauszug | Extrait du registre des poursuites) ምዃኖም ዘረጋግጽን ሓርፋፍ ገምጋም ኣታዊታቶም ዝገልጽን ወረቐት ከምጽኡሎም ይጠልቡ። በዚ ከኣ ነቲ ክራይ ክኸፍልዎ ከምዝኽእሉ የረጋግጹ። ነቲ ካብ ዕዳ ነጻ ምዃንኩም ዘረጋግጽ ወረቐት ካብ ትካል ምሕደራ ምቁጽጻር ዕዳ (Betreibungsamt | Office des poursuites) ተውጽእዎ።ንሓደ ገዛ ክካረይዎ ዝደልዩ ብዙሓት ክኾኑ ስለዝኽእሉ ኣብ ብዙሕ ገዛውቲ ምምልካት ተመራጺ ይኸውን።

መንበሪ ገዛ/ ኣፓርታማ ምዕዳግ

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ "C" ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ ብዘይ ገለ ገደብ፡ ኣብ ካንቶን በርን ገዛ ወይ ኣፓርታማ ክገዝኡ ይኽእሉ። እዚ መሰል'ዚ ነቶም ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕበረት ወይ ኣባል ሃገራት ማሕበር ነጻ ንግዲ ኤውሮጳ (EU/EFTA) ዝመጽኡ እሞ መንበሪ ፍቓድ B ዘለዎም'ውን ይምልከት'ዩ። መንበሪ ፍቓድ B ዘለዎም ካብ'ዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ሃገራት ወጻኢ ዝመጽኡ ነበርቲ፡ መንበሪ ገዛ ወይ ኣፓርታማ ክገዝኡ ይፍቐደሎም'ዩ፣ እንተኾነ ባዕሎም ጥራይ ክነብርዎ ኣለዎም። ንካልእ መንበሪ ፍቓድ ከም (L, F) ዘለዎም ግን ገዛ ወይ ኣፓርታማ ክገዝኡ ፍቑድ ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት ጽጹይን ንጹርን ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ መሬት ክርከብ ይከኣል። (Grundbuchamt | Bureau du registre foncier)