ጉርብትና

ኣብ ኩሉ መንበሪ ገዛውቲ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ዘሎ ርክብ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ምስ ጎረቤት ምዝርራብን ምልዛብን ብፍላይ ኣብ ግዜ ዘይምርድዳእ ተመራጺን ኣድላይን'ዩ።

ስጒሚ ንምቅርራብ/ምስ ጎረቤት ምቅርራብ

ኣብ ገለ ከባቢ ዝነብሩ ጎረባብቲ፡ ነንሕድሕዶም ብምልክት ወይ መንደቕ ብምህራም ይረዳድኡ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ግን እዚ ዘይቅቡል ክኸውን ይኽእል'ዩ። ብዝኾነ ሓድሽቲ ሰፈርቲ ንጎረባብቶም ብኣካል ክላለይዎም ኣለዎም። ኣብ ኩሉ ክተኣታቶ ዘለዎ'ዩ። እቶም ጎረባብቲ ምቅርራብ ዘይደልዩ ምስ ዝኾኑ ዘገድዶም የለን፣ ንዕኦም ይምልከት። ሰባት ኣብ'ቶም ዝሰማማዕዎም ጥራይ ከድህቡ ኣለዎም። ምስ ጎረባብቲ ከላልዮም ዘኽእል ኣጋጣሚ'ውን ኣሎ። ንኣብነት ክለባት ወይ ማሕበራት።

መምርሒታትን ስርዓታትን መንበሪ ገዛ

ብዙሓት ነበርቲ ወይ ወነንቲ ኣብ ዘለውዎ መንበሪ፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኦም ሓደ ናይ መንበሪ ገዛ መምርሒ ወይ ስርዓት (Hausordnung | Règlement de maison) ኣሎ። እዚ ኩሉ ግዜ ምስ ውዕል ገዛ ክራይ ይወሃብ። ኣብ'ዚ ኩሉ ብሓባር ናይ ምንባር ሕግታት ወይ ስርዓት፡ ብሓባር እትጥቀሙሎም ክፍልታት፡ ከም ናይ ሓጻቢት ክዳውንቲ ማሽን ዝኣመሰሉ፡ ብሓባር እትጥቀመሉ ነገራት ብዝርዝር ይግለጽ። ስርዓት ወይ ሕግታት መንበሪ ገዛ ምኽባርን ምሓላውን ኣብ ስዊዘርላንድ ልዑል ቦታ ይወሃቦ። ብፍላይ ኣብ ናይ ዕረፍትን ህድኣትን ግዜ ክኽበር ዘለዎን ኣብ ሕጊ'ውን ዝሰፈረ'ዩ።

ግጭት/ዕግርግር

ሰባት ዝርብሹ ወይ ስርዓት ናይ'ቲ መንበሪ ገዛ ዘየኽብሩ ኮይኖም ምስ እትረኽብዎም፡ መጀመርታ ምስኣቶም ክትዘራረቡን ከተረድእዎምን ክትፍትኑ ይምረጽ። እዚ ፍታሕ ምስ ዘየምጽእ ግን ነቲ ኣካራዪ ወይ ንኣማሓድሪ ናይቲ ገዛ ምሕባር የድሊ። ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ከኣ ንፖሊስ ምሕባር የድሊ(ቁ.ቴሌፎን: 117) ። ጎነጽ ምስ እትርእዩን ኣብ ህላዌ ጎረቤትኩም ስግኣት ምስ ዝፈጥርን ብርግጽ ፖሊስ ክትሕብሩ ኣለኩም።