ቴሌቪዥን / ተለፎን / ኢንተርነት

ቀረባት ኣገልግሎት ተለፎን፡ ኢንተርነት፡ መስመር ተለቪዥን ዝህቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣለዉ። እዚኣቶም ብከፊል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለዩ። ዳርጋ ኩሎም ነበርቲ ናይ ራዲዮን ተለቭዥንን ክፍሊት ክኸፍሉ ይግባእ።

ክፍሊት ራዲዮን ቴሌቪዥንን

ዝኾነ ሰብ ናይ ራዲዮ ወይ ናይ ቴሌቪዥን መዳባት ትስሕብ መሳርሒት ምስትህልዎ፡ (ከምኡውን ናይ ኮምፒተር ምስ ኢንተርነት)፡ ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት (Radio- und Fernsehgebühren | Redevance de radio-télévision) ክኸፍል ኣለዎ። ምስዚ ሕጋዊ ክፍሊት፡ ኩሉ ፕሮግራማት ናይ ህዝባዊ ሕጋዊ መሰላት ራዲዮን ቴሌቭዥንን (SRG SSR) ከምኡ ውን ናይ ውልቂ ራዲዮን ቴሌቪዥንን ሓገዛት ይረኽቡ።ንምእካብ እዚ ክፍሊት ቢላግ/serafe/ ሓላፍነት ይወስድ። ናይ መመላእታ ገንዘብ (Ergänzungsleistungen | prestations complémentaires) ዝወስዱ ሰባት ካብዚ ክፍሊት ነጻ ኢዮም።

ቴሌፎን: ኢንተርነት.: መስመር ቴሌቭዥን

ኣብ ስዊዘርላንድ ብዙሓት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቴሌፎን፡ ኢንተርነትን መስመር ቴሌቭዥንን ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ጥራይ ይነጥፉ። ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዋጋታትን ስለዘለዉ፡ ዝሓሸ ዋጋ ኣወዳዲርካ ምምራጽ፡ ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ሳተላይት መስመር ክእትዉ ዝደልዩ፡ ንኣካረይቲ ገዛ ክሓቱ፡ ወይ ንጎረቤት ክውከሱ ይግባእ። መስመር ኢንተርነት ኣብ ውሽጢ ገዛ፡ ከም ልሙድ ቁልጡፍ ኢዩ። ናይ ኢንተርነት ካፈ፡ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ገዛውቲ መስመር ኢንተርነት ስለዘለዎ።