ምፍልላይ ጎሓፍን / ደጊምካ ምምስራሕን
ጎሓፍ ምፍልላይ ንምዕቓብ ኣከባብን ገንዘብ ንምቑጣብን ሓጋዚ ኢዩ። ካልኣይ ዝምስራሕ ከምኡ'ውን ኣከባቢ ዘበላሹን ጎሓፍ ነናቱ ፍሉይ መእከቢ ኣለዎ። ናይ ካርቶን/ወረቐት፡ ናይ ባተሪ፡ ናይ ጥርሙዝ፡ ሓምላይ ጎሓፍ/ ኣታኽልትን ቆጽለ መጽልን፡ ዘይቲ፡ ኣጭርቕ፡ ሓጺን ወዘተ... እናተባህሉ ይፍለዩ። እዚኣቶም ምስቲ ሓፋሻዊ ጎሓፍ ኣይሕወሱን'ዮም። ነብሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ከተማ ናይ ገዛእ ርእሱ መደባት ምእላይ ጎሓፍ (Entsorgungsplan | Plan de ramassage) ወይ ዓውደ ኣዋርሕ ምእላይ ጎሓፍ (Abfallkalender | Calendrier des déchets ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ሓብሬታ ንነፍስ ወከፍ ነባራይ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ዝምዝገበሉ ግዜ ይወሃቦ። ኣየናይ ዓይነት ጎሓፍ መዓስን ኣበየናይ ቦታን ብኸመይን ከምዝጎሓፍ ብዝርዝር ይሕበር። ጎሓፍ ምንዳድ ወይ ኣብ ዘይግብኦ ቦታ ምድርባይ ኩልኩል ኢዩ። ፕላስቲክ መትሓዚ ፈሳሲ (PET-Flaschen | Bouteilles en PET) ከምኡውን ካልእ ባኮታት ዳርጋ ኣብ ኩሉ ንግዳዊ ቦታታት ብዘይ ክፍሊት ክምለስ ይከኣል።