መሰረታውያን መምርሒታት
ኩሎም ነበርቲ ስዊስ፡ ንቅዋም መንግስቲ ከኽብሩ ይግባእ። (ንኣብነት ማዕርነት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ንዝኣመሰለን ካልእን ሕጊ ክግዝኡ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ብዝተኽእለ መጠን ነበርቲ ብቁጠባ ነብሶም ክኽእል ትጽቢት ይግበረሎም። ብተመሳሳሊ፡ ወጻእተኛታት ነበርቲ ስዊዝ ወግዓዊ ቋንቋ ዝነብረሉ ከባቢ ክመሃሩን ክፈልጡን ይግደዱ። ምውህሃድ ክዕወት ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ክልቲኦም ወገናት ጻዕሪ ወይ ንጥፈት ምስዘካይዱ እዩ። ስለዚ'ዪ ድማ ዜጋታት'ዛ ሃገር ግሉጽነት ክህልዎም ብወጻእተኛታት ትጽቢት ዝግበረሎም።