ቀረባት ምውህሃድ

ምውህሃድ ብቀንዱ ኣብ ቤት ትምህርትን ቦታ ስራሕን'ዩ ዝርከብ። እንተኾነ ነቶም ነዚ ዕድላት እዚ ዘይረኸቡ ዝኸውን ዕድላት ኣቅርቦት ምውህሃድ'ውን ኣሎ።

ፍሉያት ቀረባት

ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ወጻእተኛታት፡ ምስ ሕብረተሰብ ስዊዝ ንክነብሩን ጽቡቕ ምቅርራብ ንኽህልዎምን ዝሕግዝዎም፡ ብርክት ዝበሉ ፍሉያት ዕድላት ኣቅርቦት ኣለዉ። መኣዲ ዕላል፡ ኣብ ነጻ ግዜ ዝካየድ መደባት ምዝንጋዕ፡ ኣስተምህሮታትን ስለጠናታትን ገለ ካብኣቶም'ዮም። መወከሲ ቦታታት/ንቁጣታት ምውህሃድ (AI) (Ansprechstellen Integration | antennes d'intégration) ወይ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ብዛዕባ እዞም ቀረባት ሓበሬታ ይህቡ። ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢታት፡ ሓደስቲ ነበርቲ ናይ ምቕባል ኣጋጣሚ ይገብሩ። እዚ ከእ ፈላሚ ጦብላሕታ ንምርካብ ዝሕግዝ ጽቡቕ ኣጋጣሚ'ዩ።

ማሕበራት

ኣዝዮም ብዙሓት ነበርቲ ካንቶን በርን፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ወይ ክለባት (Verein | Association) እዮም።ንዝተፈላለዩ ድልየታት ዝዓለማ ማሕበራት ወይ ክለባት ኣለዋ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ከይተረፈ፡ ናይ ስፖርት፡ ናይ ባህልን ካልእን ማሕበራት ኣለዋ። እዚእተን ማሕበራት፡ ኣጋጣሚታት ብምፍጣር፡ ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ ዕድላት ይፈጥራ። መብዛሕተአን ማሕበራት ንኩሎም ሰባት ክፉታት እየን። ነዘን ማሕበራት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።.

ትካላት ስደተኛታት

ብቋንቋ፡ መበቖል ዓዲ ወይ ሃይማኖት ዝተወደባ ስደተኛታት ባዕሎም ዝመስረትወን ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ እዘን ማሕበራት ንኣባላተን ብዛዕባ ምውህሃድን ናብራን ዝምልከት ምኽሪ ይህባ። ንኣባላተን ከኣ ኣብ ስዊዝ ብፍላይ ከኣ ኣብ ካንቶን በርን ሓደስቲ ምስዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብራ።

ዕድላት ኣቅርቦት ንመንእሰያት

ኣብ ካንቶን በርን፡ መንእሰያት ነጻ ግዚኦም ዘሕልፉሉን ምስ መዛንኦም ዝላለዩሉን፡ ብዙሓት ፍሉያት ዕድላት ኣቅርቦት ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት፡ መራኸቢ ማእከላትን ነጻ ግዜ ተሕልፈሎም ቀረባትን ኣለዉ። ኣብ'ዚ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፈጠራውነቶምን ንከርእዩን ፕሮጀክትታት ንክገብሩን (Jugendarbeit | Animation de jeunesse) ይተባብዑ። እዞም ቀረባት ከም ልሙድ ብነጻ ይወሃቡ። ማሕበራት መንእሰያት፡ መንእሰያት ምስ መዛንኦም ንጥፈታት ንምክያድን ኣብ ናይ ደገ/ተፈጥሮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንኽዋስኡን ይሕግዝ። ነዞም ቀረባት ዝህቡን ሓላፍነት ዝስከሙን፣ ማሕበራት፡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢን ኣብያተ ክርስትያናትን እዮም። እዞም ቀረባት ንኩሎም መንእሰያት ክፉታት እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ክርከብ ይከኣል።