ወግዓውያን ቋንቋታት
ስዊዘርላንድ ኣርባዕተ ወግዓውያን ቋንቋታት ኣለዋ፦ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ሬትሮማን። ካንቶን በርን ከኣ ጀርመንን ፈረንሳን ወግዓውያን ቋንቋታታ'ዮም።
ኣብ ካንቶን በርን፡ ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዘይዛረቡ ነበርቲ፡ ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ክመሃሩ ትጽቢት ይግበረሎም። ምኽንያቱ ኣፍልጦ ቋንቋ ኣብ ሕብረተሰብን ስራሕ ዓለምን ንምውህሃድ ቀንዲ ረቋሒ'ዩ።
ስዊዘርላንድ ኣርባዕተ ወግዓውያን ቋንቋታት ኣለዋ፦ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ሬትሮማን። ካንቶን በርን ከኣ ጀርመንን ፈረንሳን ወግዓውያን ቋንቋታታ'ዮም።
ኣብ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ወገን ስዊዘርላንድ፡ ንቋንቋ ጀርመን፣ ወግዓዊ ቋንቋ ጀርመንን (Hochdeutsch | l'allemand standard) ስዊዛዊ ቋንቋ ጀርመንን (Schweizerdeutsch | le suisse allemand) ኢሎም ይፈላልይዎም። ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ገለ መደባት ሬድዮን ቴሌቭዥንን ወግዓዊ ቋንቋ ጀርመን ይጥቀሙ። ጽሑፋት'ውን ብወግዓዊ ቋንቋ ጀርመን'ዮም። ስዊዛውያን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ስዊዛዊ ቋንቋ ጀርመን ይጥቀሙ። እዚ ስዊዛዊ ላህጃ'ዚ ወላ እቶም ንቋንቋ ጀርመን ጽቡቕ ዝመልኩ ክርድእዎ የጸግሞም'ዩ። ወጻእተኛታት ነበርቲ ስዊዘርላንድ ንስዊዛዊ ቋንቋ ጀረመን ክዛረቡ ትጽቢት ኣይግበረሎምን። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ግን ክርድእዎ ይኽእሉ'ዮም። እንተኾነ ንስዊዛውዛን ነቲ ወግዓዊ ቋንቋ ጀርመን ክዛረቡ ክሕተቱ ይከኣል'ዩ።
ተዛረብቲ ካልእ ቋንቋ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም፡ ምስ ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን ወይ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ዝኾኑ ቆልዑ ከም ዝጽምበሩን ዝላለዩን ክግበር ይግባእ። ጉጅለታት ጸወታን ፍሉያት ዕድላት ቀረብ ምትእኽኻብ ወለድን ቆልዑን ነዚ ኣብ ምትግባር ዝሕግዝ'ዩ። ወለዲ'ውን ብግዲኦም ምስ ደቆም ብምዝራብን ብምስማዕን ዛንታታት ብምትራኽን ክሕግዝዎም ይኽእሉ። በዚ እቲ ንሶም ዝኽእልዎ ቋንቋ ከም ተወሳኺ ክገብርዎን ደቆም ንኽመልክዎን ተራ ይጻወቱ።
ሰባት ቀጥታ ስዊዘርላንድ ምስ ኣተዉ፡ ሽዑ ንሽዑ ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ክርድኡን ክዛረቡን ትጽቢት ዝግበረሎም ኣይኮነን። እንተኾነ ክረዳድኡ ከም ዘለዎም ዘገድድ ኩነታት ኣሎ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰፈርቲ ንኣዝማዶም ወይ ንፈልጥቶም ክትርጉምሎም ይሓቱ። ዝተሓላለኹን ብምስጢር ክትሓዙ ዘለዎም ጉዳያትን ንምዝርራብ ኣብ ዝድለየሉ፡ ክኢላታት ተርጎምቲ ከምጽኡ ይድለ። ባህልን ልምድን ዝፈልጡን ኣብ'ዚ ጉዳይ ፍሉይ ክእለትን ተሞክሮን ዘጥረዩን ተርጎምቲ ከኣ ተመረጽቲ እዮም። ኣብ ካንቶን በርን፡ ኣብ ምጽሓፍ ደብዳቤን ምምላእ ቅጥዕታትን ዝሕግዙ፡ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎታት (Schreibdienst | le service de correspondance) ኣለዉ።