ብሽግለታ / ብእግሪ

ሳላ ብግቡእ ዝማዕበለ መራኸቢ መገድታት ብሽግለታ ኣብ ካንቶን በርን ብብሽግለታ ምዝዋር ባህ ዘብል ይገብሮ። ብዙሓት ክኢላታት(ሰራሕተኛታት) ብሽግለታ ጌሮም ናብ ስራሕ ይኸዱ። ንኣጋር ወይ ብእግሮም ዝጉዓዙ (ዝዛወሩ) ሰባት ብእግሮም ዝጉዓዝሉ ፍሉይ መገዲ ኣሎ።

ብእግሪ ወይ ብብሽግለታ (Velo | vélo) ምጉዓዝ

ከተማታትን ምምሕዳራትን በርን ንብሽግለታ ዘወርቲን ንኣጋርን ሰሓብቲ እየን፡ ብፍላይ ከኣ ብተዛማዲ ድሕንነት ዘለዎን ስለዝኾና ። ስለዚ ብዙሓት ሰባት ንሓጺር ርሕቐት መኪና ኣይጥቀሙን (ብዘይ መኪና እዮም ዝጉዓዙ)። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ፍሉይ መገድታት ብሽክለታ ወይ ጎደናታት ብሽክለታ ኣሎ። ኣጋር ካብ ኩለን እተን ናይ ኣጋር መስገሪ ልዕሊ ኩለን መካይን ቀዳምነት ይወሃቦም እዩ፡(ብዘይካ እቲ መስገሪ መገዲ ብመብራህቲ ትራፊክ ንምስጋር ዝተሰርዐ እንተዘይኮይኑ)። ካንቶን በርን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ንኽትድህስሶ ዘኽእለካ ባህ ዘብል መገዲ ብእግርኻ ክትከይድን ብእግርኻ ክትጐዓዝን ትኽእል ቀረባት ኣሎ። እቲ ብእግሪ ትጉዓዘሉ መገዲ ብጫ ምልክት ኣለዎ።

ሕግታት ንዘወርቲ ብሽግለታ

ኣብ ስዊስ ብሽግለታ ንምዝዋር: ፍሉይ መምርሒ ፍቓድ ወረቐት ወይ ፈተና ኣየድልን።ሓፈሻዊ ኣብ ምምራሕ መኪና ዘለዉ ሕግታት ምኽታል የድሊ። ፍሉን ናይ ብሽግለታ መንገዲ መስመር ጽርግያ ምስዝህሉ ግን: ነዚ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ይግባእ። ብሽግለታ: ንተሽከርከርቲ ብንጹር ትርአ ክትከውን ኣለዋ፣ (ክልተ ጽቡቕ ዝሰርሕ ፍሬኖ: ቃጭል: ዘንጸባርቕ ብቅድሚትን ድሕሪትን) ናይ ርእሲ ቆቢዕ /ሄልመት ክትገብር ግድን ኣይኮነን: እንተተገብረ ግን ተመራጺ እዩ። ዘወርቲ ብሽግለታ: ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ሓደ ናይ ግዴታዊ ድሕነት ውዕል ክኣትዉ ኣለዎም። በዚ ኣብ ሰብ ወይ ንዘስዕብዎ ዕንወት ንክሽፈነሎም ውሕስነት ይረኽቡ።

ምልምማድ ምዝዋር ብሽግለታ

ምዝዋር ብሽግለታ ክላመድ ዝደሊ ሰብ: ሓደ ስልጠና ክወስድ ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ስልጠና ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብማሕበር ፕሮ ቬሎ (Pro Velo) ይወሃብ።ንስደተኛታት ዝምልከት ስልጠና ምዝዋር ብሽግለታ ኣብ ገለ ምምሕዳር ከባቢታት ብፍሉይ ይወሃቡ።ሕሱራት ዝተጠቀሙለን ብሽግለታ: ካብ ናይ ብሽግለታ ማዕከን ትካል ይርከባ።

ናይ ብሽግለታ መጉዓዝያ

ኣብ ባቡር ወይ ኣብ ኣውቶቡስ ብሽግለታ ሒዙ ክጉዓዝ ዝደሊ ሰብ: ሓደ ፍሉይ ትኬት ክገዝእ የድልዮ። ኣብ ኩሉ ቦታ ወይ ኩሉ ግዜ እዚ ተኽእሎ የሎን። ገለ ክፋል ኣብ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ንብሽግለታ ዝኸውን ቦታ ይሕዛእ።