መኪና / ብሽግለታ

ኣብ ስዊዘርላንድ ጽቡቕ ዝማዕበለ መርበብ መገድታት(ጽርግያታት) ኣሎ። ምጥቃም መብዛሕትኡ ጽርግያታት ብናጻ (ብዘይ ክፍሊት) እዩ። ሕግታት መጓዓዝያ(ትራፊክ) ኣዝዩ ኣገዳሲ ትርጉም ኣለዎ። በዚ እንተ ዘይተማእዚዝካ(ዘይተኸቲልካዮ) እቲ መቕጻዕቲ ልዑል እዩ ።

ሕግታት(መምርሒታት) ትራፊክ(ተሽከርከርቲ)

ኣብ ስዊዘርላንድ ሕግታት ትራፊክ(ተሽከርከርቲ) ንመራሕቲ መካይን ኣዝዩ ኣገዳሲ ትርጉም ኣለዎ። እቲ መቕጻዕቲ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዝማድ (ብምውድዳር) ኣዝዩ ልዑል(ብዙሕ) እዩ። ከቢድ ጥሕሰት ሕጊ እንተ ኣጋጢሙ ፍቓድ መራሕ መኪና ክስረዝ (ክትሕደግ) ይኽእል እዩ።

ገለ ኣገዳሲ መምሪሒታት(ሕግታት)፡

  • ዝለዓለ ፍጥነት ኣብ ከተማታት- 50 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት፡ ካብ ከተማታት ወጻኢ- 80 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት፡ ኣብ ቀንዲ ጎደና (ሃይወይ)- 120 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት።
  • ብየማናይ ሸነኽ ምሕላፍ(ምቕዳም) ኣብ ኣብ ቀንዲ ጎደና (ሃይወይ) ክልኩል እዩ።
  • ቀትሪ እውን ከይተረፈ መብራህቲ መኪና ክበርህ ኣለዎ።
  • ኣብ ማኪና ዘለው ኩሎም ሰብት ቅናት መንበር ኽዕጠቑ ኣለዎም።
  • ቆልዑት ኣብ መንበር ቆልዓ (ክሳዕ 12 ዓመት ወይ 150 ሳንቲ ሜተር ቁመት ዝገብሩ) ኮፍ ክበሉ ኣለዎም።
  • መኪና ክትዝውር ከለኻ ብተሌፎን ምዝርራብ ብዘይ ኢድ (ብናይ እዝኒ መስምዒ ) ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
  • ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ እናሰተኻ መኪና ምምራሕ የቕጽዕ እዩ፡ (ዝበዝሐ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ደም 0.5)
  • ኣብ መገዲ ኣጋር ዝጎዓዙ ኣጋር ወትሩ ቐዳምነት ይወሃቦም እዩ (ብጀካ ብመብራህቲ ትራፊክ ዝተሰርዐ እንተ ዘይኮይኑ)።

ናይ መገዲ(ጽርግያ) ክፍሊት

ጽርግያታት ብፌደራላዊ መንግስትን፡ ብካንቶንን ምምሕዳራትን እዩ ዝምወል። ምጥቃም ጽርግያታት ብናጻ እዩ። ካብዚ ፍሉይ ናይ ቀንዲ መገድታት/ጽርግያታት(ሃይወይ) ምጥቃም እዩ። ኣብ ቀንዲ መገድታት/ጽርግያታት(ሃይወይ) ክትጥቀም እንተ ደሊኻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቪግኔት(ንእሽቶ ስእሊ ናይ ሃይወይ ዘለዋ) ክትዕድግ ኣሎካ። እዚ ኣብ ቅድሚት መከላኸሊ ንፋስ ቤትሮ ኣጣብቆ። እዚ ቪግነት ኣብ መደበራት ነዳዲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ወይ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ትራፊክ(መጓዓዝያ) ይርከብ።

ውሕስነት / ድሕነት

ኣብ ስዊዘርላንድ መድሕን ዘለውን መካይን ጥራይ እየን ክትጥቀመለን ትኽእል። ናይ መካይን ሓላፍነት መድሕን (Motorfahrzeug-Haftpflichtversicherung | Assurance automobile) ዝተፈላለያ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት መድሕን ይህባ እየን። እቲ መድሕን ነቲ ብሰንኪ እታ ማኪና ዝወረደ ጕድኣት ንነገራት(ንብረትን) ኮነ ንሰባት ይኸፍል። ኣብ ማኪናኻ ንዝወርድ ጉድኣት ብወለንታ ዝግበር ተወሳኺ ዝተፈላለየ ሰፊሕ መድሕን (Kaskoversicherung | Assurance casco) ኣሎ።

ኣስተውዕል፡ ሓደ ሰብ ሸለልተኛ እንተ ኾይኑ እቲ ትካል(ኩባንያ) መድሕን ምናልባት ገንዘብ ኣይከፍልን ይኸውን (ንኣብነት ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ እናሰተየ መኪና ዝዝውር)። ናይ መካይን ሓላፍነት መድሕን ኣብ ናይ ብሕቲ መድሕን ሓላፍነት ኣይኣቱን(ኣይጠቓለልን) እዩ።

ካብ ደገ መኪና ምእታው / ምምጻእ

ዝኾነ መኪና ንሓዋሩ ናብ ስዊዘርላንድ ከእቱ ዝደሊ ን ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ከፍልጥን ክፍሊት ጉምሩክ ክኸፍልን ኣለዎ። እታ መኪና ብተክኒካዊ መዳይ እውን ክትምርመር ኣለዋ። ናይ መካይን ሓላፍነት መድሕን ፡ ናይ ስዊዘርላንድ ናይ መካይን ምዝገባ ሰነድ ከምኡውን ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ፍቓድ ሰሌዳ(ታርጋ) የድልየካ። ተወሳኺ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ካብቲ ኣብ ካንቶን በርን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትራፊክ መገዲ (Strassenverkehrsamt | Office de la circulation routière) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።