ናይ ባንክ ሕሳብ / ምኽፋል ሕሳብ

ደሞዝ ዝኽፈልን ናይ ዝተፈላለዩ ሕሳባት ክፍሊት ክገብር ዝደልን: ናይ ባንክ ወይ ናይ ፖስት ሕሳብ ክህልዎ ይግባእ። ንምግዛእ ዝተፈላለዩ ነገራት፡ ናይ ዕዳን ልቓሕን ካርድታት ብብዝሒ ይዝውተሩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ

ነበርቲ ስዊዘርላንድ ዳርጋ ኩሎም ናይ ባንክ ሕሳብ ኣለዎም። ብመሰረት ሕጊ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ከም ዝኣቱ ምግባር ወይ ምትሕልላፍ ልሙድ'ዩ። ብዙሓት ባንክታትን ናይ ፖስታ ባንክን ንውልቀ ሰባት ናይ ባንክ ሕሳብ ይኸፍታ። መኽፈቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ዝበዝሐ ግዜ ብነጻ'ዩ። እንተኾነ ድሕሪ ምኽፋት ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ኣለዎ። ግብሪ፡ ክፍሊት ክራይ: ወለድን ንይ ኣገልግሎትን፣ እናተባህለ ዝግበር ክፍሊት ኣለዎ። እዚ ከኣ ካብ ሓደ ባንክ ናብ ካልእ ክፈላለ ስለዝኽእል፡ ኣየናይ ከምዝበልጽ ምውድዳር የድሊ። ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍቱ ምስ እትደልዩ፡ ወረቐት መንነት፡ ወይ ዝኾነ መንነትኩም ከረጋግጽ ዝኽእል ወረቐት ወይ ከኣ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት የድልየኩም።

ናይ ለቓሕ (ክረዲት) ካርድ

ናይ ባንክ ሕሳብ ዘለዎም ሰባት፡ ጥሬ ገንዘብ ንምውጻእ ዝጥቀሙሉ፡ ብሕጊ ቁጽሪ ሕሳብ ይወሃቦም። እዚ ኣብቲ'ቲ ውልቃዊ ወይ ብሕታዊ ናይ ናይ ባንክ ሕሳብ ዘለዎ ጥራይ'ዩ ዝሰርሕ። ባንክታት ወይ ባንክ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ሓደ ናይ ዕዳ (ኣቐዲሙ ገንዘብ እተቐምጠሉ) ካርድ ( ንኣብነት ከም ማየስትሮ) ይህቡ። ወነንቲ'ዚ ካርድ'ዚ ካብ ኩለን ማሽናት ባንክ ጥረ ገንዘብ ከውጽኡን ኣብ ምኽፋል ክጥቀሙሉን ይኽእሉ። ብተወሳኺ ኣብ ዝበዝሓ ካልኦት ሃገራት ምስ ዝገሹ ኣብ ምኽፋል ይግልገሉሉ። እንተኾነ ክፍሊት ኣገልግሎት ካብ ባንክ ናብ ባንክ ይፈላለ። ክረዲት ካርድ ካብ ዝተፈላለዩ ባንኪታት ክሕተት ይከኣል። ናይ ምሕደራን ናይ ክራይ ክፍሊት ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ምንጽጻር ኣገዳሲ'ዩ። ብክረዲት ካርድ ምኽፋል ብተዛማዲ ብዙሕ ዝርጋሐ ዘለዎን ይዝውተርን'ዩ።

ናይ ቢል / ክፍሊት ወጻኢታት ምኽፋል

ናይ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ክፍሊት፡ ብመልክዕ ቅብሊት ከም ልሙድ ብትፖስታ ይለኣኹ። ነዚኦም ንምኽፋል ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ።
ኢ ባንኪን፡- ብኤለክትሮናዊ መርበብ (ኢንተርነት) ዝኽፈል ኮይኑ ዝውቱርን ውሑስን'ዩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖስት፡- ዘይተኸፍለ ቅብሊት ዝሓዙ ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ብምኻድ ብጥረ ገንዘብ ይኸፍሉ። ናይ ፖስታ ባንክ ሕሳብ ዘለዎም ከኣ፡ ናይ ባንክ ካርዶም ብምጥቃም ብቐጥታ ካብ ናይ ፖስታ ባንክ ሕሳቦም ክኸፍሉ ይኽእሉ። ናይ ባንክ ዓማዊል ዝኾኑ ሰባት፡ ንዘይተኸፍለ ቅብሊቶም ኣብ'ቲ ባንክ ብምኻድ ክኸፍሉ ይኽእሉ።
ብመገዲ ብፖስታ፡ ናይ ምኽፋል ውዕል ብመልክዕ ደብዳቤ ኣብ'ቲ ኣገልግሎት ዝህበኩም ባንክ ወረቐት ብምልኣኽ ክትግበር ይከኣል። ነዚ ዝምልከት እቲ ባንክ ወይ ቤ ትጽሕፈት ፖስታ መብርሂ ይህብ'ዩ። ኣገባብ ንብተደጋጋሚ ዝግበሩ ክፍሊታት፡- እዚ ብቀጥታ ካብ መለለዪ ሕሳብ ባንክ ስለ ዝውሰድ (Lastschriftverfahren / LSV | Le système de recouvrement direct ) ኣዚዩ ምቹእ ኣገባብ ኣከፋፍላ'ዩ። ነዚ ዝምልከት መብርሂ ኣብ'ቲ መኽፈሊ ቦታ ወይ ባንኪ/ፖስታ ይወሃብ'ዩ።
እቲ ዝኽፈል ዋጋ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ምስ ዝኸውን፡ ንኣብነት ክራይ ገዛ፡ ኣብ ባንኪ ወይ ፖስት ሓደ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ንምኽፋል ዝምልከት ውዕል (Dauerauftrag | Ordre permanent) ክግበር ይከኣል።

ዘይተኸፍለ ቅብሊት ገደብ ዝኽፈለሉ ግዜ ኣዎ። እቲ ክፍሊት ኣብ'ቲ ዝተወሰነሉ ግዜ እንተዘይ ተኸፊሉ ሕጋዊ ሳዕቤን የኸትል። ናይ መፈጸሚ ግዴታ'ውን ኣሎ።