ዕዳ

ዘይተኽፍለ ቅብሊት ኣብ ግዜኡ ዘይምኽፋል ሳዕቤን ኣለዎ። ፋይናንሳዊ ሽግር ወይ ሕጽረት ገንዘብ ምስ ዘጋጥም፣ ኣብ ማእከላት ንዕዳ ዝምልከት ኣብያተ ምኽሪ ብምኻድ ምውካስ ይከኣል።

መዘኻኸሪን ግዴታዊ ኣፈጻጽማን (መጠንቀቕታን)

ክፍሊት ኣብ እዋኑ ምስ ዘይክፈል: ቀዳማይን ካልኣይን መዘኻኸሪ (Mahnung | Rappel) ይወሃብ። እዚ ምስ ዘይክበር፡ እቶም ኣኽፈልቲ ናብ መዝገብ ዕዳ (Betreibung | Poursuite) ከም ዕዳ ክልእክዎ ይኽእሉ። ኣብ ከም'ዚ ኩነት: ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዕዳ (Betreibungsamt | Offfice des poursuites) ንኽትከፍል ዘገድድ ወረቐት ይሰዱ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ እቲ ዝኽፈል ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ይውሰኾ። እቲ ዝሰዓበ መስርሕ ዘይሕጋዊ'ዩ ዝብሉ ሰብ ጉዳይ፡ ጥርዓን ወይ ቅሬታኦም (Rechtsvorschlag | Opposition) ኣብ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ምቁጽጻር ዕዳ ከቅርቡ ይኽእሉ። መጠንቀቕታ: ዕዳ ምስ ዘይክፈል ኣብ ምትሓዝ ደሞዝን ኣብ ንብረት ምህጋርን ከምርሕ ይኽእል። ብተወሳኺ ኣብ መዝገብ ዕዳ ሰፊሩ (ዋላውን ኣብ መጨረሽታ እቲ ዕዳ እተተኽፍለ)፣ ምድላይ ስራሕን ገዛ ክራይን ዓቢ ዕንቅፋት ይኸውን።

ዕዳ

ፋይናንሳዊ ጸገም ወይ ዕዳ ዘለዎም ሰባት: ንኣማኸርቲ ትካላት ኩነታት ዕዳ(Schuldenberatungsstelle | conseil en matière de dettes) ክውከሱ ይኽእሉ። ንኹሉ ሰብ'ዩ ኣገልግሎት ዝህብ። ክኢላታት ናይ'ቲ ዓውዲ ምስ በዓል ጉዳይ ብምዃን፡ ነቲ ኩነታት ርእዮም መፍትሒ የናድዩሉ። ካሪታስ ካንቶን በርን ንነበርቲ'ዚ ካንቶን ዝኸውን ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ከፊቱ (Berner Schuldenberatung | Centre social protestant / CSP) ብነጻ ኣገልግሎት ይህብ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ብቴሌፎንን ኤለክትሮናዊ መርበብን (ኢንተርነት) ብነጻ ኣገልግሎት ምኽሪ ይህብ። ኣገዳሲ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ከኣ ናብ ካልእ ቤት ጽሕፈት ይመሓላለፍ።