ምምራሕ ናብራ ብውሑድ ገንዘብ

ናብራ ስዊዝ ብተዛማዲ ክቡር'ዩ። ስለ ዝኾነ ካልኦት ዝተጠቕሙሉ ንብረት ምግዛእ ተመራጺ ይኸውን። ሕጽረት ገንዘብ ዘለዎም ሰባት፡ ካብ ፍሉያት ዱኳናት፡ ንብረት ብሕሱር ክገዝኡ ይኽእሉ።

ሓራጅ / ዘገልገለ / ሓዲሽ ዘይኮነ ንብረት

ኣብ ስዊዝ ብዙሓት መኽዘናት መሸጣ ሓራጅ (Brockenhäuser | Brocantes) ኣለዉ። ካብኣቶም ብሕሱር ዋጋ ንብረት ምግዛእ ይከኣል። ኣብ ገለ ፍሉያት ቦታታት'ውን ውልቀ ሰባት፡ ንብረት ሓራጅ ንመሸጣ የቕርቡ። ንኣብነት፦ ዕዳጋታት ሓራጅ: ምልውዋጥ ክዳውንቲ: ምልውዋጥ ንብረት መንሸራተቲ በረድ፡ ወዘተ። ብተወሳኺ መሳዂቲ ኤልክትሮኒካዊ መርበባት ሓብሬታ (ኢንተርነት)፡ ንምሻጥን ምግዛእን ንብረት ሓራጅ ኣዝዮም ዝውቱራት'ዮም።

ስፖርት / ባህሊ / ስልጠና(ትምህርቲ)

ካርድ ኩልቹር ሌጊ (Kulturlegi | CarteCulture) : ብውሑድ ገንዘብ: ኣብ ንጥፈታት ስፖርትን ባህልን ንምውሳእን ዕድላት ስልጠና(ትምህርቲ) ንምርካብን የገልግል። እዚ ካርድ'ዚ ንካሪታስ ሓቲትካ ክርከብ ይከኣል። ካሪታስ ብዛዕባ'ዚ ሓብሬታ ይህብን መን እዚ ካርድ ይግብኦ የረጋግጽን።

ድኳን ካሪታስ

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ንመዓልታዊ ህይወቶም ዘድልዮም ኣስቤዛን ሃለኽቲ ኣቑሑን፡ ካብ ድኳን ካሪታስ (Caritas Markt | Epicerie Caritas)፡ ብሕሱር ዋጋ ክገዝኡ ይኽእሉ። እንተኾነ ብካሪታስ ዝወሃብ ሓደ ፍሉይ ካርድ የድሊ። ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ብዛዕባ'ዚ ካርድ ይሕብርን መን እዚ ካርድ ክወሃብ ከምዝግብኦ የረጋግጽን። ድኳናት ካሪታስ ኣብ ካንቶን በርን ኣብ ከተማታት በርን፡ ቢልን ቱንን ይርከብ።

ንዓኻ/ንዓኺ ዝተዳለወ ንእሽቶይ መኣዲ

ማሕበር "ንዓኻ/ኺ ዝተዳለወ ንእሽቶይ መኣዲ" ነቶም ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም፡ ብነጻ መግቢ ይቅርብ። ብሕታውን ህዝባውን ማእከላት ምኽሪ፡ ካርድ ናይ'ዚ ማሕበር ክዕድላ ይኽእላ። በዚ ካርድ'ዚ ሓደ ግዜ ወይ ንፈለማ እዋን ኣብ ድኳናት ካሪታስ (Caritas Markt | Epicerie Caritas) ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ። ድሕሪኡ ካርድ ድኳናት ካሪታስ ንኽወሃበኩም ተመልክቱ።

ደገፍ መንግስቲ

ንናብርኦም ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ደገፍ መንግስቲ ይግበረሎም'ዩ። ነዚ ሓገዝ ዝምልከት ንኣብነት: ምሕሳር ክፍሊት መሰረታዊ መድሕን ጥዕና : ደገፍ ክፍሊት ማህደረ ትምህርቲ ሞያዊ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ክኸውን ይኽእል። ኣብ ገለ ኩነታት ከኣ ካብ ማሕበራዊ ድሕነት ወይ ካብ ደገፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ገንዘባዊ ደገፍ ይግበር።