ግብሪ / ቀረጽ

ጽዕነት ወይ መጠን ክፍሊት ግብሪ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ይምርኮስ። እተን ቀንዲ ካብ ውልቀ ሰባት ዝሕተታ ክፍሊት ግብሪ፦ ግብሪ ኣታዊታት: ግብሪ እትውንኖ ሃብትን ካብ ነብሲ ወከፍ ሽያጥ ዝኽፈልን'ዮም።

ስርዓተ ኣከፋፍላ ግብሪ

ኣብ ስዊዝ ግብሪ ንመንግስቲ: ንካንቶን: ንምምሕዳር ከባብን ቤተ-ክርስትያናት ሃገርን ይኽፈል። እቲ ዝኽፈል ግብሪ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቐል። እቲ ቀንዲ ኣገደሲ ቀጥታዊ ግብሪ: ግብሪ ካብ ኣታዊታትን ግብሪ ዝውነን ሃብትን ኮይኑ፣ ብቀጥታ ካብቲ ግብሪ ክኸፍል ዝግብኦ ሰብ ይቑረጽ። ዘይቀጥታዊ ግብሪ ዝበሃል ድማ ካብ ሽያጥ ንብረት፡ ከም ሽያጥ ትምባኾን ነዳድን ዝኣመሰሉ ዝቑረጽ'ዩ። ኣዚ ግብሪ'ዚ ኣብቲ ዝሽየጥ ንብረት ይርከብ። ንኣተሓሕዛ ግብሪ ዝምልከት ኣብ ብርክት ዝበለ ቦታታት፡ ካንቶናትን ምምሕዳር ከተማታትን ብሓላፍነት ስለ ዝሕዝዎ፣ መጠን ዝኽፈል ግብሪ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ። መጻምድቲ ወይ ሰብ ሓዳር ግብሪ ብሓባር ይኸፍሉ።

ምንጪ ግብሪ / ቀረጽ

ሓደስቲ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዝኾኑ ወጻእተኛታት፡ ግብሪ ብቀጥታ ካብ ደሞዞም: (ግብሪ ኣታዊታት ካብ ምንጪ)፡ (Quellensteuer | Impôt à la source) ተቖሪጹ ይኽፈል። መስርሕ ምምዝጋብ ከኣ ብወሃብ ስራሕ ይፍጸም።
መጠን ዝኽፈል ግብሪ ኣብ መጠን ደሞዝ፡ ኩነታት ስድራቤት( ዘይምርዑዋት ወይ ንጽል፡ ምርዑዋት፡ ዝተፋትሑ/ዝተፈላለዩ) ከምኡ ድማ ብብዝሒ ውላድ ይውሰን። ኣብ ኩነታት ስድራ ለውጢ ምስዝህሉ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ምምሕዳር ክሕበር ይግባእ።
ካብ ክፍሊት "ግብሪ ካብ ምንጪ"፡ ዝተፈላለየ ምንካይ ምኽፋል ግብሪ ክህሉ ይኽእል። ከም ኣብነት፡ ኣብ ግዜ ምድፋእ ዕድሜ ክኸውን ተባሂሉ ዝግበር ውህለላ (3ይ ዓንዲ ሕቆ)፡ ናይ ዕዳ ወለድን ልዑል ወጻኢታት ሕክምናን ክጥቀስ ይከኣል።
ዝኾነ ንብረት ወይ ትካል (ተንቀሳቓስን ቀዋምን) ዘለዎም ሰባት፡ ብንጹር ክሕብሩን/ክእውጁን ግብሪ ዋኒኖም ክኸፍሉን ኣለዎም።
ዓመታዊ ኣታዊታቶም 120,000 ፍራንክን ልዕሊኡን እንተኾይኑ፡ ግብሪ ከም ዝተኸፍሎ ንጹር መብሪሂ ተጌይርሉ፡ ሓደ ስሩዕ ክፍሊት ግብሪ ክህልዎ ኣለዎ።
- ንስዊዛዊ/ት ወረቐት መንነት ወይ መንበሪ ፍቓድ "C" ምስ ዘለዎ/ዋ ዘተመርዓወ/ት፡ ቅጥዒ መረጋገጺ ስሩዕ ክፍሊት ግብሪ (ordentliche Besteuerung | fiscalité ordinaire) ክ/ትመልእ ይግባእ።

ካንቶናዊ ምሕደራ ክፍሊት ግብሪ (Kantonale Steuerverwaltung | Intendance des impôts cantonale) ንክፍሊት "ግብሪ ካብ ምንጪ" ዝምልከት ሓብሬታ ይህብ።

ስሩዕ ወይ ልሙድ ግብሪ

ስዊዛዊ ወረቐት መንነት ወይ መንበሪ ፍቓድ "C" ዘለዎም ሰባት: ብስሩዕ ንልሙድ ግብሪ (ordentliche Besteuerung | Fiscalité ordinaire) ክኸፍሉ ይግባእ። ግብሪ ካብ ደሞዞም ብቀጥታ ስለ ዘይቑረጽ፣ ቅጥዒ መግለጺ ክፍሊት ግብሪ (Steuererklärung | Déclaration d'impôts) መሊኦም፡ ብመሰረት ኣታዊታቶም ዝተወሰነሎም ግብሪ ብቕብሊት ይኸፍሉ። ኣመላልኣ ቅጥዒ መግለጺ ክፍሊት ግብሪ: ንስዊዛዊያን'ውን ከይተረፈ: ዝተሓላለኸን ብቀሊል ዘይርዳእን'ዩ። ስለዚ ነዚ ቅጥዒ ንመጀመርታ ግዜኹም ክትመልእዎ እንከሎኹም፡ ተሞክሮ ዘለዎም ሰባት ንኽተሓጋገዙኹም ተወከስዎም። ኣብ ምኽፋል ግብሪ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣታዊታቶምን ንብረቶምን ብግቡእ ዘይሃቡን ዘደናገሩን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ይኾኑ። ቅጥዒ መኽፈሊ ግብሪ ኣብ ኤለክትሮናዊ መርበብ ሓብሬታ (Internet) እውን ክምላእ ይኽእል'ዩ። ንምኽፋል ግብሪ ዝምልከት ሓፈሻዊ ሓብሬታ ምስ ዝድለ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይስራዕ። ንምኽፋል ስሩዕ ግብሪ ዝምልከት ሓበሬታ ክህብ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ወይ ከባቢ'ዩ ።