ወለዲ ምዃን

ውሉድ(ቆልዓ) ምዕባይ በዳሂ እዩ ። ብዙሓት ወለዲ ሓሓሊፎም ንውሉዶም እንታይ ከም ዝጠቅሞም ንገዛእ ርእሶም ይሓቱ እዮም። ምስ ካልኦት ወለዲ ምዝርራብ(ሓሳብ ምልውዋጥ) ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲዚውን ክሕግዛ ዝኽእላ ዝተፈላለየ ማእከላት ምኽሪ ኣለዋ።

መራኸቢ ቦታታት

ወለዲ ምስ ካልኦት ወለዲ ሓሳብ ዝለዋወጥሉን፡ ወይ ምስ ውሉዶም ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ክካፈሉ ዝደልዩ ንኣቦታትን ኣዴታትን ዝኸውን ቀረባት ኣሎ። ገለ ቀረባት ብፍሉይ ስዊዘርላንዳውያንን ወጻእተኛታትን ወለዲ ምእንቲ ክራኸቡ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።

ንናኣሽቱ ቆልዑ ብዙሕ ቀረባት ኣሎ፡ ወለዲ'ውን ኣው ኡ ንሓድሕዶም ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም። ናይ ወለዲን ውልዶምን ምውስዋስ ኣካልት(ቱርነን) ("MuKi-/VaKi-/ElKi-Turnen") ንወለዲ ምስ ንኣሽቱ ደቆም ክጻወቱ ክዘናግዑ ከምኡውን ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ምውስዋስ ኣካልት(ቱርነን) ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ከተማ/ከባቢ ይቐርብ እዩ።

ኣብ ማእከላት ስድራቤት ንወለድን ንደቆምን ዝኸውን ዝተፈላለየ ፍጻመታት ይካየድ እዩ። ኣብቲ ናይ ኣደን ኣቦን ምኽሪ ብናጻ እትረኽቡሉ ቦታታት ምስ ካልኦት ወለዲ ኽትራኸቡ ንምርኻብ ከምኡውን ነቲ ኽፍልታት ጡብ ንምጥባቕ ንምምዝዛን ንምንባብ ከምኡውን ንምጽዋት ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብያተ መጻሕፍቲ ንነኣሽቱን ዓበይቲ ቆልዑን ንወለዶምን ቀረባት(ኣገልግሎት) ይህብ እዩ።

ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ቀረባት ነቶም ተቐማጦ እቲ ምምሕዳር ምሕታት ጠቓሚ እዩ ።

ትምህርቲ (ስልጠና) ንወለዲ

ኣብ ካንቶን በርን ወለዲ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣብ ዝወሃብ ትምህርቲ ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ንስደተኛታት ዘድልዮም ነገራት ዘማልእ ኮርሳት እውን ኣሎ። ንኣብነት ንስርዓተ ትምህርቲ ስዊዘርላንድ ዝምልከት ኮርሳት ኣሎ። ገሊኡ ኮርሳት ብቋንቋ ወጻኢ(ቋንቋ ኣደ) እውን ይወሃብ እዩ። ብዛዕባ እቲ ቀረብ (ኣገልግሎት) ኣብ ናይ ካንቶን ስድራቤት ፖርታልን ከምኡውን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ምምሕዳር ከባቢኹምን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብቲ ናይ ኣደን ኣቦን ምኽሪ ብናጻ እትህብዎ ናይ ጉጅለ ምኽሪ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ጉዳያት ስድራቤት ሓሳባት ክትለዋወጡ ካብ ሰብ ሞያ ጠቓሚ ርእይቶታት ክትቅበሉ ከምኡውን ኣብ ከባቢኹም ሓድሽ ርክብ ክትምስርቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣተዓባብያ (ትምህርታዊ) ምኽሪ

ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑ ገለ ሕቶታት እንተ ሃልይኩም ምስ ዝተፈላለያ ማእከላት ምኽሪ ኽትራኸቡ(ክትውከሱ) ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይ ትምህርቲ(ኣተዓባብያ) ትካላት(ማእከላት) ምኽሪ ኣለዋ። ኣብ ክንዲ እቲ ካንቶን ከኣ ን ቆልዑ ዘለዉዎም ስድራ ቤታት ብናጻ ምኽሪ ይህባ። ብተወሳኺ ናይ ኣዴታትን ኣቦታትን ኣማኸርቲ (Mütter- und Väterberatung|Centre de puériculture) ኣብ ዝተፈላለየ ምምሕዳር ከባቢታት ሓገዝ ይህባ እየን። ከምኡውን ንክንክን ሕጻናት ዝምልከት ሕቶታት ይሕግዛ። ንህጹጽ ጻውዒት ወለዲ ዘማኽርኹም ክኢላታት ብተሌፎን ወይ ብኢ-መይል (ተሌፎን (ንቡር ታርፍ ዝኽፈሎ)፡ www.elternnotruf.ch)።

ምኽሪ ኣደይን ኣቦይን

እታ ኣደን ኣቦይን ምኽሪ እትህብ መጽሓፍ ካብ 0 ኽሳዕ 5 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ብዛዕባ ኣመጋግባን ክንክንን ዕቤትን ትምህርትን ብናጻ ምኽሪ ትህብ እያ። ምኽሪ ኣብ ማእከል ምኽሪ ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኩም። ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታት እኳ እንተሎ ናባና ተራኸብ መፍትሒ ድማ ክንረክብ ኢና!

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣዴታትን ኣቦታትን ብ16 ቋንቋታት

ሓበሬታን ምዝገባን፦ 031 552 16 16