ክንክን(ምእላይ) ቆልዑ

ኣቦታትን ኣዴታትን ድሕሪ ሕርሲ ናብ ስራሕ ምእንቲ ኽምለሱ ካንቶን በርን ቀረባት(ኣገልግሎት) መእለይ(ክንክን) ሕጻናት የተባብዕ እዩ። ዝተፈላለየ ቀረባት(ኣገልግሎታት) ኣሎ፡ ንኣብነት ከም ማእከላት መውዓሊ ህጻናት (ክንክን ቆልዑት)፡ መዓልቲ ወለዲ ወይ መዓልቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኣመሰለ። መብዛሕትኦም ብክፍሊት እዮም፡ ይኹን እምበር እቶም ናይ መእለይ ካርድ/ወረቐት (Betreuungsgutscheine|bons de garde) ዘለዎም ዝወሓደ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣለዎም።

መውዓሊ ህጻናት (ቆልዑት)

ኣብ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት (Kindertagesstätten|garderies) ቆልዑ ምሉእ መዓልቲ ይእለዩ። መብዛሕትኡ እዚ ቀረባት(ኣገልግሎታት) ነቶም ካብ 3 ወርሒ ክሳዕ ትምህርቲ ዝጅምርሉ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘተኰረ እዩ። ይኹን እምበር ገለ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት ንተመሃሮ (ቅድሚን ድሕሪን ትምህርትን ኣብ ግዜ ምሳሕን) እውን ይኣልያ እየን። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሊስታ መጸበይ መዝገብ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ወለዲ ንውሉዶም ኣቐዲሞም ከመዝግብዎም ኣለዎም። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ከከም ማእከል መውዓሊ ሕጻናት ይፈላለ እዩ። ብዙሓት ምምሕዳራት ገለ ክፋል ናይቲ ክፍሊት ይኸፍልኦ እየን፡ ንወለዲ መእለይ ካርድ/ወረቐት ( Betreuungsgutscheine) ህያብ ይህብዎም። እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ክረጋገጽ(ክምርመር) ኣለዎ። ማእከላት መውዓሊ ሕጻናት ወይ ምምሕዳር ከተማ/ከባቢ ብዛዕባ ኣማራጺታት ምዝገባን ወጻኢታቱን(ክፍሊት) ሓበሬታ ይህባ እየን።

መጻወቲ ጕጅለታት ቆልዑት

ብዙሓት ቆልዑት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ሓደ ጕጅለ መጻወቲ ቆልዑ ይካፈሉ እዮም (Spielgruppe|Groupe de jeu)። ኣብኡ ኸኣ ደቂ 3 ዓመት ዝዀኑ ቆልዑት ብዘይ ወለዶም ምስ ክኢላ ኣላይት ብሓባር ይጻወቱ፡ ኢደ ጥበብ ይገብሩ፡ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ይነጥፉ። ኣብ ጕጅለ መጻወቲ ቆልዑት ምስታፍ ብወለንታ(ብፍታው) እዩ ዝግበር። ብፍላይ ነቶም ኣብ ቤቶም ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳይ ዘይዛረቡ ቆልዑት እቲ ጕጅለ መጻወቲ ምስ ቋንቋ ጀርመንን ፈረንሳይን ንኽራኸቡ(ክላመዱ) ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝኾነሎም። እዚ ኸኣ ትምህርቲ ብቐሊሉ ንኽጅምሩ ይገብሮም። ኣብ ሓያሎ ምምሕዳራት ከተማ(ከባቢ) ናይ መጻወቲ ጕጅለታት ቆልዑት ኣለዉ፡ እቲ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ይህብ።

ስሩዕ ቅርጺ(መደብ) መዓልቲ/ ናይ ምሳሕ ሰደቓ

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኣገልግሎት ምእላይ ይህባ እየን። እዚ ኣብ ብዝሒ ኣመልከቲ (ተመዝገብቲ) እዩ ዝምርኰስ። ኣብተን ስሩዕ ቅርጺ(መደብ) መዓልቲ (Tagesstruktur|Accueil parascolaire) ዘለወን ኣብያተ ትምህርቲ ንኣብነት ተማሃሮ ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም። ምሳሕ ይወሃቦም። ድሕሪ ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ኣብኡ እንዳተኣለዩ ክዓዩ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ትምህርቲ ክበልዑ ክጻወቱ ወይ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣገልግሎት ብወለዲ ክኽፈል ኣለዎ። እቲ ክፍሊት(ታሪፍ) መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣታዊታት ወለዲ እዩ ዝምርኰስ። ቆልዑት ካብቲ ኣገልግሎታት ኣብ ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልቲ ክጥቀሙ ይኽእሉ።

ቆልዓ ተሓዝቲ (ዝኣልያ) ስድራቤታት

ቆልዓ ተሓዝቲ(ኣለይቲ) ስድራቤታት ኣብ እተወሰነ ናይ መዓልቲ እዋናት(መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ መዓልቲ) ቆልዑ ዝሕዛ(ዝኣልያ) ስድራቤታት እየን። እዚ ኣማራጺ መእለይ ቆልዑት በቶም ዝሰርሑ ወለዲ ፍትው(ፍሉጥ) እዩ። ምቹእ (ዝሰማምዓኩም) ናይ ቆልዓ ተሓዝቲ(ኣለይቲ)ስድራቤታት ንምርካብን እቲ ንቡር(ልሙድ) ታሪፍ/ክፍሊት ንምሕባርን ዝሕግዛ ኣብያተ ጽሕፈት ኣለዋ።

ኣለይቲ (ሓለውቲ) ሕጻናት / ኣብ ህጹጽ ኩነታት

ኣብ ስዊዘርላንድ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምሸት ወይ ቀዳመ ሰናብቲ ኣላይቲ(ተሓዝቲ) ሕጻናት ኮይኖም ይሰርሑ እዮም። ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ቀይሕ መስቀል (SRK|CRS) በርን ዝርዝር ኣብያተ ጽሕፈት እቶም ኣብ ኮርስ ዝተሳተፉ ኣለይቲ ህጻናት ዝሕዘ እዩ። ንመንእሰያት ንኣገልግሎቶም ዝኸውን ገንዘብ ምኽፋል ልሙድ እዩ ። ኣብ ዘይተሓስበ ህጹጽ ኵነታት እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ቀይሕ መስቀል (SRK|CRS) በርን'ውን ናይ ህጹጽ ምእላይ(ክንክን) ቆልዑ ኣገልግሎት ይህብ እዩ። ንኣብነት ሓደ ወላዲ ናብ ሆስፒታል ኪኸይድ እንተ ዀይኑ እሞ ነቲ ቘልዓ ኺከናኸኖ ዚኽእል ካልእ ሰብ እንተ ዘየልዩ ። ንኣብነት ሓደ ወላዲ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ (ክኣቱ) እንተ ኾይኑ እሞ ነቲ ቆልዓ ክሕዞ ዝኽእል ካልእ ሰብ እንተዘየሎ። ነቲ ምእለይ(መትሓዚ )ዝኸውን ክፍሊት እኳ እንተሎ ገሊ ትካላት መድሕን ጥዕና(Krankenversicherungen) ግና ነቲ ወጻኢታት ይሽፍና እየን።