ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዘሎ ግጭታት
ኣብ መንጎ መጻምድቲ ግጭት እንተ ሃልዩ መጻምድቲ ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ክደልዩ (ክሓቱ) ይኽእሉ እዮም (Eheberatung|consultation conjugale)። ፍሉያት ማእከላት ምኽሪ መፍትሒ ንክትረኽቡ ይሕግዛኹም እየን። ናይ መጀመርያ ዝርርብ ብነጻ ወይ ብርትዓዊ ዋጋ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ነዚ ሓላፍነት ዘለዎ ማእከል ምኽሪ ኣሎ ።
ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ወይ ስድራቤት ግጭት እንተ ኣጋጢሙ ዝተፈላለያ ናይ ምኽሪ ማእከላት ክሕግዛ ይኽእላ። ኣብ ስድራ ቤታት ወይ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዝፍጸም ዓመጽ ክልኩል እዩ ።
ኣብ መንጎ መጻምድቲ ግጭት እንተ ሃልዩ መጻምድቲ ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ክደልዩ (ክሓቱ) ይኽእሉ እዮም (Eheberatung|consultation conjugale)። ፍሉያት ማእከላት ምኽሪ መፍትሒ ንክትረኽቡ ይሕግዛኹም እየን። ናይ መጀመርያ ዝርርብ ብነጻ ወይ ብርትዓዊ ዋጋ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ነዚ ሓላፍነት ዘለዎ ማእከል ምኽሪ ኣሎ ።
ውሉዳት ኣብ ዘለወን ስድራ ቤታት ሓድሓደ ግዜ ንወለድን ንውሉዳትን ዘጨንቕ ኣጸጋሚ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ወለዲ እንታይ ክገብሩ ከምዝኽእሉ እንተ ዘይፈሊጦም ሓገዝ ክደልዩ( ክረኽቡ) ከም ዘለዎም ንምሕጸን። ኣብ ማእከላት ምኽሪ ስድራቤት (Familienberatungsstelle|service de consultation familiale) ብሕታዊ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ወለዲ ሃንደበታዊ ጻውዒት ከቕርቡ ኸለዉ ክኢላታት ንወለዲ ብተሌፎን ወይ ብኢ-መይል ክመኽርኹም ይኽእሉ፡ ሕቶ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ወይ ሻቕሎት ብዛዕባ ደቅኹም እንተለኩም (ተሌ 0848 35 45 55 ብ ንቡር ታርፍ ዝኽፈሎ)፡ (www.elternnotruf.ch)። ቆልዑትን መንእሰያትን ብተሌፎን፡ ብኢ-መይል፡ ብኤስ-ኤም-ኤስ (SMS) ወይ ብዕላል (ቻት) ኣብ ናይ ህጹጽ ጻውዒት ቆልዑት ክጥቀሙ ይኽእሉ (ተሌፎን 147 (ብዘይ ክፍሊት) www.147.ch)
ኣብ ስድራ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ ወግዓዊ ገበን እዩ። ዓመጽ ዝጥቀም(ዝፍጽም) ዝዀነ ይኹን ሰብ እቲ ዓመጽ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ይኹን ብዘየገድስ ከኽስስ ይኽእል እዩ። እቲ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ይኹን ኣብ ልዕሊ ውሉዳት ዝወርድ(ዝፍጸም) ኣየገድስን እዩ። ሰበ ስልጣን ኣብ ስድራ ቤት ዓመጽ ከም ዘሎ እንተድኣ ሰሚዖም ባዕሎም ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም። ንግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ብናጻን ብስቱርን ደገፍ ዝህብ ኣገልግሎት ኣሎ። ኣብ ፍሉይ መንበሪ ህንጻታት (Frauenhaus / Väterhaus | Maison d'accueil) ኣንስቲ ወይ ሰብኡት ምስ ደቆም ኮይኖም ግዝያዊ ዕቝባ ክደልዩ(ክዕቆቡ) ይኽእሉ እዮም። ኣብተን ሰለስተ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮ/Die drei Frauenhäuser (ከባቢ በርን፡ ቢል፡ ቱንን) ን 24 ሰዓታት ክትድውል ይከኣል እዩ (Hotline AppElle!: 031 533 03 03)። እቶም ኣማኸርቲ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስቱርን ናጻን ምኽሪ ብምሃብ ይሕግዙ እዮም ። ዑቑባን መዕቈብን(መጽለልን) የዳልዉ። ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ናይ ህጹጽ ጻዊዒት ኩነታት ቈልዑ (ተሌፎን 147 (ብናጻ) www. 147.ch) ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም። ብኣባል ስድራ ቤቱ ዘስግኦ ኮይኑ ዝስምዖ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብ ፖሊስ ክድውል ኣለዎ (ተሌፎን117)። ፖሊስ ንሓደ ዓመጽ ዝጥቀም ወይ ዘፈራርህ ሰብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ኣፓርታማ ወይ ቤት ከውጽኦ ይኽእል እዩ።