እንደገና ምርኻብ ስድራ ቤት/(ጥርናፈ ስድራ)
ብመሰረቱ ኣባላት ስድራ ቤት (ብቐጥታ ኣዝማድ ወይ ሰብ ሓዳር) ናይ ኣብ ስዊዝ ዝነብር ሰብ ናብ ስዊዘርላንድ ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም (Familiennachzug, Familiennachzug|Regroupement familial)። ንመን ኣባላት ስድራ ቤት ክተመልክት ይከኣል ኣብ ዜግነትን መንበሪ እቲ ኣመልካቲ እዩ ዝምርኰስ። ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (Ausweis F) ዘለዎም ሰባት እውን ኣብ እተወሰነ ኩነታት ስድርኦም ኣምጺኦም ምስ ስድራቤቶም ክሓብሩ(ክጥርነፉ) ይኽእሉ እዮም። ንስድራ ቤት እንደገና ንምርኻብ(ጥርናፈ ስድራ) ዘድሊ ቅድመ ኩነት ኣቐዲምካ ምስ ሓደ ክኢላ ምምይያጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ትምሕጸን። ሓበሬታ ካብዘን ኣብያተ ጽሕፈት ይርከብ፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዝሒ ህዝቢ (ABEV|OPOP)፡ ምምሕዳር ከባቢ(መንበሪ ከተማ) ወይ ወከልቲ ቦታታት እንተግረሽን እየን። ንጥርናፈ ስድራ ዝምልከት ኣመልካቲ ሕትኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን ከቕርብ ኣለዎ። ተቐማጦ ከተማታት በርን፡ ቢልን ቱንን ሕቶኹም ናብ ቤት ጽሕፈት ተቐማጦ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ኣመልክቱ።
ኣስተውዕሉ፡ ጥርናፈ ስድራ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን (መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ድሕሪ ናብ ስዊዝ ምእታው) ክሕተት(ክፍጸም) ኣለዎ። እቲ ናይ ግዜ መቓን ንቆልዑ ካብ ንዓበይቲ (ንኣብነት መጻምድቲ) ይሓጽር።