መሰልን ግዴታን(ግቡኣትን) ወለዲ

ውሉድ ዘለዎ ዝዀነ(ዝወለደ) ሰብ ብኡንብኡ ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል (ስቪልስታንድ ኣምት)ጸብጻብ ክህብ ኣለዎ። ሰብ ሓዳር(ምርዕዋት) ብኡንብኡ (ቀጥታ) ናይ ምዕባይ ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም ዘይተመርዓዉ ሰብ ሓዳር ግን ባዕሎም ክሓስብሉ (ክከታተልዎ) ኣለዎም።

ብዛዕባ ውልደት(ልደት) ምምዝጋብ

ውልደት ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣብ ከባብያዊ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል (ስቪልስታንድ ኣምት) ክምዝገብ ኣለዎ።
መዘኻኸሪ፡ ኣየናይ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል ብሓላፍነት ይሕተተሉ ኣብቲ ዝተወልደሉ ቦታ ደኣ እምበር ኣብ መንበሪ ምምሕዳር ከባቢ ወለዲ ኣይኰነን ዝምርኰስ። እቲ ሕጻን ኣብ ሆስፒታል እንተ ተወሊዱ እቲ ሆስፒታል መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሰነዳት ናብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል ይልእኾ። እቲ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል እንተ ዘይተፈጺሙ/ዘይተካይዱ (ግንከኣ ንኣብነት ኣብ ቤት) ግድን ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ሕርሲ ባዕልኹም ክተመልክቱ ኣለኩም። እቲ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል ኣየናይ ሰነዳት ከም ዘድሊ ይሕብር። ኣብ ስዊዘርላንድ እተወልዱ ቆልዑ ዜግነት ስዊዘርላንድ ብኡንብኡ ኣይረኽቡን እዮም።

ኣፍልጦ ናይ ኣቦ ( ኣቦነት)

ሰብ ሓዳር(ሕጋውያን) ውሉድ ምስ ዝወልዱ እቲ ሰብኣይ ብኡ ንብኡ ከም ኣቦ ይምዝገብ። እቲ ሰብኣይ ኣቦ ምዃኑ እንተ ተጠራጢሩ ኣብ ቤት ፍርዲ ንኣቦነቱ ክቃወሞ ይኽእል እዩ ። እቶም ወለዲ ዘይተመርዓዉ(ብሕጊ) እንተ ኮይኖም ኣቦ እቲ ቆልዓ ብኡ ንብኡ ከም ኣቦ ኣይምዝገብን እዩ። እቲ ቆልዓ ቅድሚ ምውላዱ ወይ ድሕሪ ምውላዱ ኣብቲ ዝቕመጠሉ ከተማ (ምምሕዳር ከባቢ) ሓላፍነት ዘለዎ ከባብያዊ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል ናይ ኣቦነት ኣፍልጦ ክገብር ይኽእል እዩ (Kindesanerkennung | Reconnaissance d'enfant)። እቲ ኣቦ ንውሉዱ ኣፍልጦ ምሃብ እንተ ኣብዩ እታ ኣደ ኣብ ቤት ፍርዲ ተፈላጥነት(ናይ ኣቦነት) ክትሓትት ትኽእል እያ።

ናይ ወለዲ ምእላይ / ምክንኻን ሓላፍነት

ወለዲ ንደቆም ናይ ምክንኻን መሰልን ግዴታን(ግቡኣትን) ኣለዎም (elterliche Sorge|Autorité parentale)። እዚ ኸኣ ንኣብነት ትምህርቲ(ኣተዓባብያ) ወይ ቍጠባዊ ምክንኻን የጠቓልል። ወለዲ ንደቆም ክሳዕ 18 ዓመት ዝመልኡ ብሕጋዊ መገዲ እዮም ዝውክሉ። እቶም ወለዲ እንተ ተመርዕዮም ብኡንብኡ ነቲ ቆልዓ ሓደ መሰላትን ግዴታን(ግቡኣትን) ይወሃቦም። ዘይተመርዓዉ(ሕጋዊ) እንተ ኮይኖም ፈለማ እቲ ኣቦ ነቲ ቆልዓ ኣፍልጦ ክህበሉ ኣለዎ። ድሕሪኡ ወለዲ ብሓባር ብዛዕባ ዝግበር ክንክን(ምእላይ) ወለዲ ዝገልጽ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መግለጺ ብወለንታ(ብፍታው) ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም (gemeinsame elterliche Sorge|Autorité parentale conjointe)። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣፍልጦ ምሃብ እቲ ቆልዓ ኣብ ከባብያዊ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቪል ወይ ጸኒሑ ኣብቲ ኣብ ሲቭላዊ ቤት ፍርዲ ናይቲ ኣውራጃ(ዞባ) ዝርከብ ትካል ዑቑባ(ተጣባቒ) ሕጻናትን ኣባጽሕን (Erwachsenenschutzbehörde (KESB | APEA) ክግበር ይከኣል እዩ። እቶም ዘይተመርዓዉ ወለዲ ብዛዕባ ክንክን(ኣተዓባብያ) ቆልዑ ዘይሰማምዑ እንተ ኮይኖም እቲ ናይ ሕጻናትን ኣባጽሕን ተጣባቒ በዓል ስልጣን ይውስን። ገለ ሕቶታት እንተለኩም ወይ ደገፍ ዘድልየኩም እንተ ኾይኑ ብኽብረትኩም ምስ ሓደ ካብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ትምህርታዊ ምኽሪ ዝህብ ማእከላት ወይ ምስቶም ምኽሪ ሓዳርን ስድራ ቤትን ዝህቡ ትካላት ተራኸቡ ።

ደገፍ መነባብሮ

ወለዲ እንተ ተፈላልዮም ክልቲኦም ነቲ ውሉዶም ክከናኸንዎ ይግደዱ እዮም (Unterhalt, Unterhalt|Entretien)። ስለዚ ንቁጠባዊ ደገፍ እቲ ቆልዓን ንክንክኑን(ምእላይን) ብሓባር ከመሓድርዎ(ከዳልውዎ) ኣለዎም። እቲ ክፍሊት ደገፍ ኣብ መንጎ ኣቦን ኣደን እዩ ዝኽፈል(ዝምቀል)። ሓደ ወላዲ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክኸፍል ከም ዘለዎ ወይ ን ከይከፍል ኣብ ቍጠባዊ ክነታትን ኣብ ክንክን(ምእላይ) ውሉዳቶምን ዘለዎም ግደ እዩ ዝምርኰስ። ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ እንተ ዘይክኢሉ ናብ ቤት ፍርዲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ምፍልላይ ወይ ፍትሕ እንተ ኣጋጢሙ ናይ ደገፍ ውጽኢት ንቆልዑ ብቤት ፍርዲ እዩ ዝድቅስ። እቲ ዝኸፍል መጻምድቲ ገንዘብ እንተ ዘይከፊሉ ኣብቲ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም (Inkassohilfe|aide au recouvrement)። እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ገንዘብ ንኽትወስድዎ ክሕግዘኩም እዩ፡ ወይ ከኣ መሰል እንተ ኣልዩኩም ነቲ ናይ ደገፍ ውጽኢት ክተዛይዶዎ ክሕግዘኩም እዩ። (Alimentenbevorschussung|Avance des contributions d'entretien)።