መጻምድቲ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተፈላለየ ዓይነት ብሓባር ምንባር ቅቡል እዩ። ንኽትምርዖ እንተ ወሓደ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣለካ። ሰብ ሓዳር ብሕጊ ማዕረ እዮም።

ብሓባር ምንባር

ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓባር ምንባር ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ተለዊጡ እዩ። ሰብ ሓዳር መብዛሕትኡ ግዜ ኸይተመርዓዉ ብሓባር ይነብሩ እዮም (Konkubinat)፡ ናይ ሓባር ውሉዳት(ደቂ) ይህልዎም። ኣብ መንጎ መጻምድቲ (ሰብኣይ/ሰበይቲ) እተወሰነ ግደ (ሓላፍነት) የልቦን። ምስ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎ ምጽማድ እውን ቅቡልን ብሕጋዊ መገዲ ተፈላጥነት ረኺቡን እዩ።

ሓዳርን (መርዓን) / ምጽማድ ምስ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም

ኣብ ስዊዘርላንድ ንኽትምርዖ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣሎካ ። ዝዀነ ክምርዖ ዝደሊ ሰብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ(ከተማ) ዝርከብ ሲቪላዊ ቤት ጽሕፈት ክምዝገብን ጉዳዩ ከቕርብን ኣለዎ። ድሕርዚ ሲቭላዊ ቤት ጽሕፈት ናይ መርዓ ምድላው መስርሕ የካይድ። ኣብዚ መስርሕ እቶም መጻምድቲ ንኽምርዓዉ ዘለዎም ክእለት ይምርመር። እቲ ምድላው (ምቅርራብ) ምስ ተዛዘመ እቲ መርዓ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ክግበር/ክካየድ ኣለዎ። ወኪል በዓል መዚ ሲቪላዊ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ኣሰራርሓኡን ብዛዕባ እቲ ዘድሊ ሰነዳትን ዝርዝር ሓበሬታ ይህብ። ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክሳብ 30 ሰነ 2022 ሽርክነቶም ክምዝግቡ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ሓዳር ዝመሳሰል መሰላትን ግዴታታትን ዘጠቓልል እዩ። ካብ 1 ሓምለ 2022 ጀሚሩ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ እውን ክምርዓዉ ይኽእሉ። ሓደ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ነቲ ከም ናይ መርዓ ዝኣመሰለ ተመሳሳሊ መሰላትን ግዴታታትን ዘጠቓልል ምጽማዶም ከመዝግቡ ይኽእሉ እዮም።

መሰላትን ግዴታትን(ግቡኣትን)

ብሕጊ መሰረት ሰብ ሓዳር ሓደ መሰላትን ግዴታን(ግቡእን) ኣለዎም፡ ኣብ ሓዳር ከኣ ማዕረ መሰላት ኣለዎም። ክልቲኦም መጻምድቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም ድልየት ክምርዓዉ ኣለዎም። ሰበ ስልጣን ሓደ ሰብ ንኽምርዖ ከም እተገደደ እንተ ፈሊጦም (Zwangsheirat|Mariage forcé) እቲ ሓዳር ዘይግቡእ(ዘይቅቡል) ምዃኑ ክእውጁን ነቶም ኣገዲዶሞም ዝነበሩ ሰባት ክኸስዎምን ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ክምርዖ ወይ ሓዳሩ ክቕጽል እተገደደ ኮይኑ ዝስምዖ ሰብ ሓገዝ ክሓትት ኣለዎ። ምስ ማእከል ምኽሪ ደገፍ ግዳያት ወይ ምስ ኣገዲድካ ዝግበር መውስቦ (0800 800 007) ክትራኸብ ሓገዝ ክትሓት ትኽእል ኢኻ።

ውጥን ስድራቤት

ብዛዕባ ውጥን ስድራቤት፡ ጥንሲ፡ ከምኡውን ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ሕቶታት ኣብ ካንቶን በርን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፍሉይ ምኽሪ ዝወሃበሉ ማእከላት ኣሎ። እተን ማእከላት ብዛዕባ ከም መከላኸሊ ጥንሲ፡ ጾታዊ ጸገማት፡ ዘይተደልየ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝኣመሰለ ጕዳያት ብስቱርን ናጻን ሓበሬታ ይህባ እየን። ነቶም ገና ዘይወለዱን ዝወለዱን(ስድራ ቆልዑ) እውን ይመኽሩ እዮም።

ፍትሕ/ ምፍልላይ

ፍትሕ (Scheidung | divorce) ብሓባር ብኽልቲኦም ሰብ ሓዳር ወይ ከኣ ብሓደ መጻምድቲ ጥራይ ክሕተት ይኽእል እዩ። ኣብያተ ፍርዲ ከባቢ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተፈጸመ ሓዳር እውን ብመሰረት ሕጊ ስዊዘርላንድ ክፋታሕ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ሓደ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ማእከል ህይወት ክህልዎን እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ኣብዚ ክነብርን ኣለዎ። ፍትሕ ኣብ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ዜጋ ምዃን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ፍትሕ ወጻእተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ክጸንሑ ዝኽእሉ እንተ ኮይኖም ወይ እንተ ዘይኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ይምርኰስ። ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ፍሉይ ሕግታት ይወጽኣሎም እዩ። ብዛዕባ ፍትሕ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ምስ ማእከል ምኽሪ ሓዳርን ስድራ ቤትን ወይ ምስ ማእከል ኣማኸርቲ ሕጊ ኽትራኸብ ትኽእል ኢኻ።