ስርዓተ ትምህርቲ

ስርዓት ትምህርቲ ስዊዘርላንድ ቀጻሊ ሰብኣዊ(ብሕታዊ) ዕቤት ከምዝህሉ ብምግባር እዩ ዝልለ። ሞያዊ ስልጠና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዋጋ ኣለዎ። ተወሳኺ ትምህርቲ ወይ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት(ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ) ንክንመሃር መሰረት ይኾነና እዩ።

ኣቃውማ(ቅርጺ) / ሓላፍነታት

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ መንጎ ሰለስተ ተኸታታሊ ደረጃ ትምህርቲ ፍልልይ ኣሎ፡

  • ግዴታዊ ትምህርቲ (መሰረታዊ ትምህርቲ፡ መዋእለ ሕጻናት፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ከምኡውን ታሕተዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ /ጁንየር) (Volksschule: Kindergarten, Primarschule und Sekundarstufe I | L’école obligatoire, y compris l'école enfantine)
  • ሞያዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ (ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ / ሃይስኩል (Sekundarstufe II | Degré secondaire II)
  • ዩኒቨርሲቲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠትን ዩኒቨርሲቲታትን ዝለዓለ ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን (Tertiärstufe | Degré tertiaire)

መንግስቲ ነዚ ሰለስተ ደረጃታት እዚ ብሓላፍነት የመሓድሮ፡ እቲ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ከኣ ኣብ መንጎ ኮንፊደሬሽን፡ ካንቶንን ምምሕዳራት ከባቢ(ከተማ) ይከፋፈል። ስለዚ ኣብያተ ትምህርትን ስርዓተ ትምህርትን ኣብ መንጎ ካንቶናት ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ናይ ብሕቲ መዋእለ ሕጻናትን ኣብያተ ትምህርትን እውን ኣሎ ። ኣብ እተወሰነ ኩነታት ናይ ብሕቲ ትምህርቲ ይከኣል እዩ።

ግዴታታት(ግቡኣት) ትምህርቲ

ኣብ ካንቶን በርን ግድነታዊ ትምህርቲ11ዓመት ይወስድ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቆልዓ ወዲ 4 ዓመትምስ ኮነ እዩ ዝጅምር። ውሉዳት(ቆልዑት) ብዘይ ምሕባርን ብዘይ ምኽንያትን ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተ ዘይተኻፊሎም(ዘይተማሂሮም) እቶም ወለዲ ብገንዘብ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም። ሓደስቲ ዝመጹ(ዝሰፈሩ) ነዊሕ ዘይገበሩ ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ(ክኣትዉ) ኣለዎም። ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ዓመተ ዓመት ትምህርቲ እውን ከይተረፈ ኣብ ግድነታዊ ቤት ትምህርቲ (obligatorische Schule | école obligatoire) ናይ ምእታው መሰል ኣለዎም። ኣብ መንጎ ፈረንሳይን ጀርመንን ዝዝረበሉ ክፋል እቲ ካንቶን ንኣሽቱ ፍልልያት ኣሎ። ብዛዕባ መዋእለ ሕጻናት ኮነ ናብ ትምህርቲ ምእታው(ምስታፍ) ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምምሕዳር ከባቢ(ከተማ) ወይ ካብ መርበብ ሓበሬታ(ወብ ሳይት) ናይቲ ቤት ትምህርቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ድሕሪ ግድኔታዊ ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ (ስልጠና)

ግድኔታዊ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ዳርጋ ክሎም መንእሰያት ተወሳኺ ስልጠና(ትምህርቲ) ይመሃሩ። ብዙሕ ኣማራጺታት ኣለዎም። ሓበሬታ ክትረኽበሉ እትኽእሉ ዝበለጸ ቦታ ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን እዩ (BIZ |OP)። ብፍላይ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ መሰረታዊ ናይ ሞያ ስልጠና እዮም ዝመርጹ (Berufslehre | Apprentissage)። መሰረታዊ ናይ ሞያ ትምህርት(ስልጠና) ጸኒሑ ዝለዓለ ናይ ሞያ ትምህርትን ስልጠናን ንኽንረክብ የኽእለና። እቶም ኣብ እዋን ስልጠናኦም ወይ ድሕሪኡ ናይ ሞያዊ ሰርቲፊኬት(ሞያ ባካልዩሬት) (Berufsmaturität | Maturité professionnelle) ዝወድኡ ጸኒሖም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግብራዊ ስነ ፍልጠት (Fachhochschule | Haute école spécialisée) ክካፈሉ(ክመሃሩ) ይኽእሉ እዮም። ዳርጋ 20 ሚእታዊት ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ማትሪክ(ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ሰርትፊኬት) (gymnasiale Maturität | Maturité gymnasiale) ይዛዝሙ፡እዚ ሰርትፊኬት እዚ ከኣ ብቐጥታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኽመሃሩ መሰል(ዕዳል) ይህቦም።

ምወላ ንትምህርቲ

ብምወላ ንትምህርቲ ብዙሕ ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት ክመሃሩ ወይ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ድሕሪ ግድነታዊ ትምህርቲ ንዝወሃብ ስልጠና ዝኸውን ደገፍ እዩ። ኣብ ካንቶን በርን ዝነብሩ ወጻእተኛታት እውን ካብ ምወላ ትምህርቲ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር እዚ ኣብ ዜግነትን መንበሪ ፍቓድ እቲ ተመሃራይ ወይ ወለዲ እዩ ዝምርኮስ። ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ህያባት(ወፈያታት) ትምህርቲ ምምሕዳር ካንቶን ክርከብ ይከኣል እዩ።