ስንክልና1

ዝዀነ ብምኽንያት ጥዕና ክሰርሕ ዘይክእል ወይ ብኸፊል ንነዊሕ እዋን ጥራይ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ ካብ መድሕን ስንክልና ገንዘባዊ ደገፍ ክረክብ ይኽእል እዩ (Invalidenversicherung IV | assurance invalidité AI)። ይኹን እምበር እቲ ራብዓይ(IV ዓንዲ) ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን ዝኸፍል ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቶም ድሕነት (ውሕስነት) እተዋህቦም ሰባት ናብ ስራሕ ዓለም ክኣትዉ ወይ እንደገና ክምለሱ ይድግፎም እዩ።

መድሕን ስንክልና

መድሕን ስንክልና (IV | AI ዓንዲ) መንግስታዊ ትካል እዩ። መብዛሕትኦም ዓበይቲ ነዚ ንምግባር ወፈያ(ውጽኢት) ክኸፍሉ ኣለዎም። ንሰራሕተኛታት እቲ ወፈያ (ውጽኢት) ካብ ደሞዞም ብቐጥታ ወርሓዊ ይቁረጽ እቲ ኣስራሒ ድማ ፍርቂ እቲ ውጽኢት ይኸፍለሎም። ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ዘለዎም( ነብሶም ዝኽእሉ) ሰባት ወይ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ኣብቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መድሕን ኣረጋውያንን/እርጋንን ብህይወት ዘለዉ ሰባትን(ሓድጎምን) AHV ውጽኢቶም ብኸመይ ክኸፍሉ ከም ዘለዎም ክሓቱ ኣለዎም።

ካብ መድሕን ስንክልና ዝርከብ ደገፍ

እቶም ብሰንኪ ጥዕና(ኣካላዊ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ) እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ጥራይ ክሰርሑ ዘይክእሉ ወይ ብኸፊል ክሰርሑ ዝኽእሉ ሰባት ካብ ራብዓይ ዓንዲ ክድገፉ መሰል ኣለዎም። እቲ ራብዓይ ነቲ ደገፍ ብመልክዕ ወርሓዊ መልዕሎ እዩ ዝኸፍሎ። ይኹን እምበር እዚ ክፍሊት እዚ ዝኽፈል እቲ ውሕስነት(ድሕነት) ዝረኸበ ሰብ ብሰንኪ ጸገሙ ኣብ ስራሕ ክሓብር(ክሳተፍ) ምስ ዘይክእል ጥራይ እዩ። ኣቐዲሙ ግን IV (IV | AI) ንስንኩላን ግቡእ ስራሕ(ምቹእ) ንክረኽቡ ይድግፎም እዩ። ካብ ራብዓይ(IV) ዝርከብ ደገፍ ኣብ ራብዓይ (IV | AI) ቤት ጽሕፈት ናይ ካንቶን በርን ክ ውዕል ኣለዎ።

ተወሳኺ ኣገልግሎታት(ረብሓታት/ጥቕምታት)

እቶም ራብዓይ ረብሓታት ወይ ካልእ ጥቕምታት (ንኣብነት መልዕሎ/ጥሮታ) እናሃለዎም ክንሱ ብህይወት ንምንባር እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት ተወሳኺ ገንዘባዊ ረብሓታት(ጥቕምታት) (Ergänzungsleistungen | prestations complémentaires) ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መድሕን ኣረጋውያንን ብህይወት ዘለዉ ሰባትን(ሓድጎምን)-(AHV) ከመልክቱ(ክሓቱ) ኣለዎም። መን ተወሳኺ ረብሓታት(ጥቕምታት) ክረክብ ይግብኦ ብንጹር መምርሒ ተሓጊጉ እዩ። ተወሳኺ ረብሓታት(ጥቕምታት) ብከፈልቲ ግብሪ እዩ ዝምወል።