ኣደነትን ስድራ ቤትን

ኣብ ስዊዘርላንድ እቶም ውሉዳት(ቆልዑት) ዘለዎም ስድራ ብመልክዕ ናይ ቈልዑን ትምህርትን ክፍሊት ገንዘባዊ ደገፍ ይወሃቦም እዩ። ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ(ኣዴታት) ሕጻን/ውሉድ ምስ ተወልደ እንተ ወሓደ ን 14 ሰሙን ዝኸውን ደሞዝ ዝኽፈሎ ናይ ሕርሲ(ኣደነትን) ዕረፍቲ ክረኽባ መሰል ኣለወን።

ናይ ሕርሲ(ኣደነትን) ክፍሊት

እተን ውላድ ክወልዳ ከለዋ ክሰርሓ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ 14 ሰሙን ደሞዝ ዝኽፈሎ ናይ ሕርሲ ዕረፍቲ (Mutterschaftsurlaub | congé maternité) ኣለወን። ኣብዚ እዋን እዚ እንተ ወሓደ 80 ሚእታዊት ናይ ደሞዘን ይኽፈለን እዩ። ስራሕ ዘይብለን ኣዴታት ወይ ኣዴታት ክሰርሓ ዘይክእላ መሰል እንተ ኣለውን ንምፍላጥ ናብቲ ኣብ ካንቶን በርን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ካሕሳ (Ausgleichskasse des Kantons Bern | caisse de compensation du canton de Berne ) ክውከሳ ኣለወን። ኣብዚ ፍሉይ መምርሒታት ኣሎ ። ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሸሞንተ ሰሙን ክሰርሓ(ክዓያ) ኣይፍቀደለንን እዩ (Mutterschutz | Protection de la maternité)።

ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ

ኣቦታት ውሉድ ምስ ተወልደ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ደሞዝ ዝኽፈሎ ናይ ኣቦ ዕረፍቲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ከም ዕረፍቲ ሕርሲ (ኣዴታት) ዘይኰነስ ናይ ኣቦ ዕረፍቲ ተዓጻጻፊ እዩ፡ ከመይሲ ነዚ ኩሉ ብሓንሳእ ወይ በብሓደ መዓልቲ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር እቲ ሕጻን ካብ ዝውለድ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክኸውን ኣለዎ።

ናይ ስድራ ቤት ክፍሊት

ዝዀነ ውሉዳት(ቆልዑት) ዘለዎ ሰብ ብመልክዕ ናይ ስድራቤት ክፍሊት (Familienzulagen | allocations familiales) ገንዘባዊ ደገፍ ይረክብ እዩ።እዚ ድማ ነቶም ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ብመልክዕ ናይ ቆልዑት ክፍሊት ከምኡውን ነቶም ክሳዕ 25 ዝዕድሚኦም ኣብ ትምህርቲ ዘለዉ መንእሰያት ብመልክዕ ናይ ትምህርቲ(ስልጠና ) ክፍሊት ኮይኑ እዩ ዝኽፈል። ኩሎም እቶም ዝሰርሑ ወለዲ (እንተላይ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ዘለዎም) ወይ እቶም ዘይሰርሑን ሒደት ገንዘብ ዘለዎምን ወለዲ መሰል ኣለዎም። ሰራሕተኛታት እንተ ኮይኖም እቲ ናይ ስድራቤት ክፍሊት ወርሓዊ ምስ ደሞዝ እዩ ዝኽፈል። ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ክፍሊት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኣስራሒ ወይ ካብ ጨንፈር ምምሕዳር ከተማ/ከባቢ ትካል ማሕበራዊ መድሕን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። መጠን እቲ ንስድራ ቤት ዝወሃብናይ ስድራቤት ክፍሊት(ገንዘብ) ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ እዩ።