መድሕን ኣረጋውያንን ብህይወት ዘለዉ ሰባትን(ሓድጎምን) (1. Säule | 1er pilier)
መድሕን ኣረጋውያንን ብህይወት ዘለዉ ሰባትን(ሓድጎምን) (Alters- und Hinterlassenenversicherung, AHV | assurance-viellesse et survivants, AVS) መንግስታዊ ትካል እዩ። መብዛሕትኦም ዓበይቲ ነዚ ንምግባር ውጽኢት ክኸፍሉ ኣለዎም። ንሰራሕተኛታት እቲ ክፍሊት ካብ ደሞዞም ብቐጥታ ወርሓዊ ይቑረጽ፡ እቲ ኣስራሒ ድማ ፍርቂ እቲ ክፍሊት ይኸፍሎ(ይሽፍኖ)። ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ዘለዎም(ነብሶም ክኢሎም ባዕሎም ዝናበሩ ሰባት) ወይ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ወፈያታቶም ብኸመይ ከም ዝኸፍሉ ንምፍላጥ ምስቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መድሕን ኣረጋውያንን ብህይወት ዘለዉ ሰባትን(ሓድጎምን) AHV ክሓቱ ኣለዎም (AHV-Zweigstelle der Wohngemeide | l’agence AVS de votre lieu de domicile). AHV ነቶም ጡረታ ዝወጹ ሰባት ወርሓዊ መልዕሎ ይኸፍሎም። መጠን እቲ መልዕሎ ኣብቲ እተኸፍሎ ውጽኢት እዩ ዝምርኰስ ። ይኹን እምበር AHV ንሰብ ሓዳርን ውሉዳትን ናይ ዝሞተ ሰብ (ናይ ማእምንን/ሓያማትን ዘኽታማትን መልዕሎ) እውን ይድግፎም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ብሕቱ መድሕን ቍጽሪ ዘለዎ AHV ካርድ (AHV Ausweis | certificat d'assurance AVS) ይህልዎ።