መድሕን ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት
መድሕን ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት (ALV | AC) መንግስታዊ ትካል እዩ። ንዅሎም ሰራሕተኛታት ድማ ግዴታ እዩ። ነዚ ዝኸውን ወርሓዊ ክፍሊት ካብ ደሞዝ ብቐጥታ ይቑረጽ፡ እቲ ኣስራሒ ፍርቂ እቲ ክፍሊት ይሽፍኖ/ይኸፍሎ ። ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ዘለዎም ናይ ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት መድሕን ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። ዝዀነ ስራሕ ስእነት ዘጋጠሞ ከም መተካእታ ወርሓዊ ደሞዝ ካብ መድሕን ስራሕ ኣልቦነት ይወስድ (Arbeitslosengeld | allocation chômage)። እቲ ካብ ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት ዝኽፈል ገንዘብ ክሳብ መዓስን ክንደይን ይኽፈል ኣብ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ዝተሞርኮሰ እዩ። ንኣብነት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክትሰርሕ ጸኒሕካ ወይ ብምናታይ ምኽንያት ስራሕ ኣልቦ ኴንካ፧