ስራሕ ምድላይ

ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ኣብ ስዊዝ ውሑድ ሽቕለት ኣልቦነት ኣሎ። ይኹን እምበር እቶም ስራሕ ዝደልዩ ዝሕተቱዎ ብዙሕ እዩ። ምስክር ወረቐትን ዲፕሎማን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዳርጋ ንዅሉ ዓይነት ስራሕ ምልከት/ፍልጠት ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳይ ኣገዳሲ መለክዒ እዩ።

ብቕዓት(ክኢላ ምዃን)

ኣብ ስዊዝ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሞያታት፡ ሞያዊ ብቕዓት(ዲግሪ)፡ ዲፕሎማ፡ ከምኡውን ተወሳኺ ስልጠናታት ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። ናይ ወጻኢ ዲፕሎማታት ወትሩ ኣይቅቡላትን(ኣይፍሉጣት) እዮም። ስራሕ ኣብ ትደልይሉ ካብ ናይ ቀደም ኣስራሕትኹም ዝተረኽበ ናይ ስራሕ መወከሲታትውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ንመብዛሕትኡ ናይ ስርሕ ቦታታት ምልከት/ፍልጠት ጀርመን ወይ ፈረንሳይ ኣድላዪ እዩ ። ካንቶን በርን ተዛረብቲ ክልተ ቋንቋታት ስለ ዝዀነ ሓድሓደ ግዜ ፍልጠት ክልቲኡ ቋንቋታት ክህልወና ትጽቢት ይግበረሉ።

ስራሕ ምርካብ/ምድላይ

ናይ ስራሕ ቀረባት ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣታትን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኢንተርነት(መርበብ ሓበሬታ) ፖርትታትን ይርከብ እዩ ። ኣብ ኢንተርነት ፖርትታት ብናጻ ናይ ምንዳይ(ምድላይ)ኵንትራት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚውን ትካላት ብሕታዊ ወኪል ስራሕ ኣለዋ ። ኣብ ስዊዝ ንሓደ ትካል ኩባንያ ደዊልካ ብዛዕባ ክፉት ቦታ ስርሕ ምሕታት ልሙድ እዩ ። ዋላ እቲ ትካል ንግዚኡ ክፉት ናይ ስርሕ ቦታ እንተዘይብሉ ምሕታት ይከኣል እዩ። ህዝባዊ ከባብያዊ ማእከል ስራሕ (RAV | ORP) ስራሕ ምድላይ ክሕግዛ ይኽእላ እየን። ኣብኡ ኮምፕዩተራትን መዓልታዊ ጋዜጣታትን ይርከቡ እቶም ሰራሕተኛታት ከኣ ነቶም ስራሕ ዝደልዩ የማኽርዎም እዮም። ብዝተኻእለካ መጠን ንብዙሓት ሰባት ስራሕ ትደሊ ከም ዘለኻ ክትነግሮም ኣሎካ። ብሕታዊ ርክባት(ሌላ) ስራሕ ንምንዳይ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ስራሕ ንምርካብ ምምልካት

መብዛሕትኡ ግዜ(ከምንቡር) ስራሕ ንምርካብ ብጽሑፍ ኢኻ ትሓትት(ተመልክት)። እቲ ሕቶኻ እንተ ወሓደ ናይ ምህርትን ስራሕን ህይወት(CV) ናይ ድርኺት ደብዳበ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ቅዳሓት ዲፕሎማ፡ ምስክር ወረቐትን መወከሲ ስራሕን ዝሓዘ ክኸውን ይግባእ ። ኣብቲ ናይ ድርኺት ደብዳበ ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ከም እትግደስን ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ብቑዕ ከም ዝዀንካን ግለጽ። እቲ ኣስራሒ ብዛዕባ እቲ ሕቶኻ እንተ ተገዲሱ ብኣካል ንቃለ መጠይቕ ክዕድመካ እዩ (Vorstellungsgespräch | Entretien d'embauche)። ነቲ ቃለ መጠይቕ እኹል ምድላዋት ክትገብሩ ኣለኩም። ዝተፈላለየ ትካላት ንስራሕ ክተመልክቱ ከለኹም ብነጻ ሓገዝ ይገብራልኩም እየን።

ኣረኣእያታት ትምህርቲ 'BIPERS'

እዚ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ትምህርትን ስራሕን ዘተኰረ እዩ። እዚ ዕላማ እዚ ነቶም ብስድራቤቶም እንደገና ብምሕባር ወይ ናይ ስራሕ ውዕል ብምግባር ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣተዉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘየለዉ ከምኡውን B፣ C ወይ L ፍቓድ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ተባሂሉ እዩ። ኣስተርጓሚ ኣብ እዋን ምምኽኻር ክርከብ እዩ። ምዝገባ ኣብ ናይ ምውህሃድ መወከሲ ነጥቢታት (ናይ ውህደት ርክብ ነጥብታት | antenes d'intégration) ጥራይ እዩ ዝከኣል። እቲ ኣገልግሎት ብናጻ እዩ።