መሰላትን ግዴታትን(ግቡኣትን)

ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝተፈላለየ መሰላትን ግዴታታትን(ግቡኣትን) ኣለዎም ። ንኣብነት ዝለዓለ ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ንመሰል ዕረፍትን ንመድሕን መሸፈኒን ብሕጊ እዩ ዝመሓደር።

ውዕል ስራሕ

ከም ንቡር(ልምዲ) ውዕል ስራሕ ብጽሑፍ እዩ ዝፍጸም። ይኹን እምበር ብኣፍ(ቃል) ዝግበር ውዕላት እውን ቅቡል እዩ። እቲ ናይ ግዴታታት(ግቡኣት) ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ (Obligationenrecht | Droit des obligations)። ኣብኡ ድማ ዝተሓተ መዐቀኒታት ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ብጽሑፍ ናይ ስራሕ ውዕል ዘይብሎም ሰባት'ውን ከይተረፈ ዝተፈላለየ መሰላትን ከምእውን ግዴታታት/ግቡኣትን ኣለዎም።

መሰል ሰራሕተኛታት

ኣብ ስዊዝ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ ሕጋዊ መሰላት ኣለዎም ። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገዳስቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ኣብ ማሕበራዊ መድሕን ከመዝግብዎም፡ ናይ ሓደጋ መድሕን ከውጽኡሎም ከምኡውን እተወሰነ(ገለኽፋል) እቲ ክፍሊት ክኸፍሉሎም ይግደዱ እዮም።
  • ኵሎም ሰራሕተኛታት እንተ ወሓደ ን 4 ሰሙን ደሞዝ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ። እዚ ኸኣ ነቶም ብሰዓታት ዝሰርሑን ወይ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ(ናይ ትርፍ ግዜ) ስራሕ ዝሰርሑን ሰባት እውን ይምልከት እዩ።
  • እቲ ዝለዓለ ፍቑድ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣብ ሰሙን 50 ሰዓት እዩ ። ኣብ ገለ ትካላት 45 ሰዓት ጥራይ ክኸ ውን ከሎ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ዝነውሐ ሰዓታት ስራሕ ይፍቀድ ። ሰራሕተኛታት እንተ ወሓደ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዕረፍቲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።
  • ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ምስክር/መረጋገጺ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ።
  • ዝዀነ ሕማም ወይ ሓደጋ ዘጋጠሞ እሞ ኣብቲ ትካል ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝሰርሐ ሰብ ንእተወሰነ እዋን ደሞዝ ንክኽፈል መሰል ኣለዎ ።
  • ነፍሰ ጾራት ኣንስትን ደቂ ኣንስትዮን ፍሉይ መሰላት ኣለወን። (Mutterschutz | Protection de la maternité).

ደሞዝ

ኣብ ስዊዝ ብሕጊ ዝተኣወጀ ትሑት ደሞዝ የለን። ይኹን እምበር ብዙሓት ትካልት ዝተሓተ ደሞዝ ዝኽፈሎ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ስምምዕ ኣለወን (GAV | CCT)። ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣብ ናይ ስራሕ ውዕል ተገሊጹ(ሰፊሩ) ዘሎ መጠን ጠቕላላ(ሓፈሻዊ) ደሞዝ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዝኽፈል ዝተጻረየ ደሞዝ እዩ፡ ኣቐዲሙ ግን ክፍሊት ማሕበራዊ ድሕነት ይቑረጽ (Sozialabzüge | Déductions sociales)። ንመብዛሕቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ B፡ መንነት F ወይ N፡ ናይ ሓጺር እዋን መንበሪ ፍቓድ L ወይ መንበሪ ፍቓድ ዶብ ሰገርቲ ሰራሕተኛታት G ግብሪ (Quellensteuer | Impôt à la source) ብቐጥታ ካብ ደሞዞም ይቑረጽ ።

ስራሕ ምቁራጽ (ስራሕ ምስንባት)

ስራሕ ኣብ ዝቋረጸሉ ግዜ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን በቲ ኣብቲ ውዕል ተገሊጹ ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ ግዜ ክምእዘዙ ኣለዎም። ብዘይ መጠንቀቕታ ዝቋረጽ ስራሕ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጥራይ እዩ ዝፍቀድ። ሰራሕተኛታት ምኽንያት ስራሕ መቋረጺኦም ኩሉግዜ ብጽሑፍ ክ ወሃቦም ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዝሓመመ፡ ሓደጋ ዘጋጠሞ(ዝወረዶ)፡ ዝጠነሰት ወይ ሕጻን ዝወለደት(ሓራስ) ብፉልይ ካብ ስራሕ ምቁራጽ(ምስንባት) ዑቕባት ክልኩላት እዮም። ዘይፍትሓዊ/ዘይምኹይ ስንብታ ስራሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ክብዳህ ይከኣል። እቲ ሰራሕተኛ ባዕሉ ስራሕ እንተ ኣቋሪጹ/ተሰናቢቱ ኣብ መጠን መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት ዝወሃብ ደገፍ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።