ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት

ኵሎም ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ (ሽቕለት) ኣልቦነት መድሕን ኣለዎም። ብመሰረቱ ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ (ሽቕለት) ኣልቦነት ውሕስነት ኣለዎም። ስእነት ስራሕ ዘጋጠሞም መብዛሕትኡ ግዜ ንእተወሰነ እዋን ገንዘባዊ ደገፍ ይረኽቡ እዮም። ስራሕ ኣልቦ ሰባት ኣብ ዞባዊ ማእከል ስራሕ(RAV) ብኣካል ክምዝገቡ ወይ ከኣ በቲ www.arbeit.swiss ዝብሃል ብኢንተርነት ኣቢሎም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኽምዝገቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ስራሕ ንምርካብ ሓጋዚ እዩ።

መድሕን ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት

መድሕን ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት (ALV|AC) መንግስታዊ ትካል እዩ። ንዅሎም ሰራሕተኛታት ድማ ግዴታ እዩ። ነዚ ዝኸውን ወርሓዊ ክፍሊት ካብ ደሞዝ ብቐጥታ ይቑረጽ፡ እቲ ኣስራሒ ፍርቂ እቲ ክፍሊት ይሽፍኖ/ይኸፍሎ ። ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ዘለዎም ናይ ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት መድሕን ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። ዝዀነ ስራሕ ስእነት ዘጋጠሞ ከም መተካእታ ወርሓዊ ደሞዝ ካብ መድሕን ስራሕ ኣልቦነት ይወስድ (Arbeitslosengeld | allocation chômage)። እቲ ካብ ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት ዝኽፈል ገንዘብ ክሳብ መዓስን ክንደይን ይኽፈል ኣብ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ዝተሞርኮሰ እዩ። ንኣብነት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክትሰርሕ ጸኒሕካ ወይ ብምናታይ ምኽንያት ስራሕ ኣልቦ ኴንካ፧

ኣካይዳ ኣብ ግዜ ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት

ብሽቕለት ኣልቦነት ስግኣት እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ብዝተኻእለ መጠን ብኣግኡ ተመዝገቡ፡ ግን ከኣ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሽቕለት ኣልቦነትኩም ኣይትደንጉዩ።

ከባብያዊ ማእከል ስራሕ

ከባብያዊ ማእከል ስራሕ (RAV|ORP) እንደገና ቀልጢፍኩም ስራሕ ንኽትረኽቡ ክሕግዘኩም እዩ። ኣብ ከባብያዊ ማእከል ስራሕ(ሽቕለት) ኣልቦነት (RAV) ዝግበር ናይ ምኽሪ ርክብ ግደታ እዩ እንተ ደኣ ተጠቃሚ ስራሕ ኣልቦነት ኴንካ። ብዘይካዚ RAV ኮርሳት ወይ መደባት ስራሕ ይህብ እዩ። RAV ስሕበት ዕዳጋ ስራሕ ንምምሕያሽ ኮርሳትን መደባትን የቕርብ። ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፡ እዚኦም ብናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ዘይብሎም ሰባት እውን ክበጽሕዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ ስዊዝ ሰሪሖም ዘይፈልጡን ስራሕ ዝደልዩን ሰባት'ውን ኣብ ከባብያዊ ማእከል ስራሕ RAV|ORP ክምዝገቡ ይኽእሉ እዮም። ገንዘባዊ ሓገዝ ግን ኣይወሃቦምን።

ጥቕሚ ናይ ስራሕ ኣልቦነት

ጥቕሚ ናይ ስራሕ ኣልቦነት (Unemployment Benefit፣ UB) ኣብ RAV ንዝተመዝገቡን ናቱ መሰል ንዘለዎምን ደለይቲ ስራሕ ዝወሃብ ደገፍ ፋይናንስ እዩ። እቲ ጥቕሚ በቲ ቡቑዕ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ኢንሹራንስ ብቐጥታ ንቲ ዓሚል RAV ዝኽፈል እዩ።